ትሸዓተ ወታደራት ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ክፍሊ ዜናን ባህልን ግንባርና ኣረጋጊጹ።

ውዑይ ዜና ካብ ስዑዲ ዓረብ፣

ትማሊ 05 ለካቲት 2015 ዓ/ም ትሸዓተ (9ተ) ወታደራት ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ናብ ጎረቤት ሃገር ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ ማለት! ምምሕዳር ጀዛን ዑቕባ ከም ዝሓተቱ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝመጹና እሙናት ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ የረጋግጹ። እዚ ናይ ትማሊ ትሸዓተ ወታደራት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ ናብ ደቡባዊ ምምሕዳር ሃገር ስዑዲ ዓረብን የመንን ዑቕባ ምሕታት ቀጻሊ ዘጋጥም ደኣምበር! ሓድሽ ተረኽቦ ከምዘይ ኮነ፡ ብጉዳይ ሃገሩ ክከታተል ዝጸንሐ ኤርትራዊ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ምኽንያቱ ካብ ሓያሎይ ዓመታት ኣትሒዙ ክሸራረፍ ዝጸንሐ ወታደራዊ ትካል መንግስቲ ህግደፍ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ ትካል ሓይሊ ባሕሪ መንግስቲ ህግደፍ! ዝብረሃልና እንተሎ፣ እቲ ስርዓት ኣብ ፍጹም ውድቀቱ ተገማጊሙ ምህላዉ ዘነጽር መገዲ እዩ።

ክቡራንን ክቡራትን ተኸታተልቲ ከመይነት ናይዞም ትሸዓተ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ምክትታልና ኣብ ቦትኡ ኮይኑ! ከም ኣድላይነቱ  ኣብ ዝቕጽል ክነመሓላልፎ ኢና።

ኩሉ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር

ምስ ጅግና ሰራዊት ሕድሪ ንቕድሚት፣

ክፍሊ ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ ዞና አውሮጳ።

ዕላል ተጋዳላይ ሰራዊት ሕድሪ ምስ ኣደና ሞሞና!

መእተዊ፦ ኣብ እዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኣንጻር ውልቀ ምልኪ ሙሉእ ግዜአን ወፍየን ካብ ዝቃለሳ ኣደታት ሓንቲ እያ፡፡ ብዓውታ ካብ ዘድምጻ ኣንጻር ጭቆናን ምልክን ብምኳና፡ ዳርጋ ኩሉ ደላዪ ለውጢ ህዘቢ ኤርትራ እንተስ ብቀረባ ኣብ ቦታ ትግባረ ቃልሲ እንተስ ብሩሑቕ ብምሳኹቲ  youtube ን Paltalk ን ፈላጢኣ ቡዙሕ እዩ፡፡ ወረ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ጥራሕ ዘይኮነስ  ረዓዲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ውን ብትብዓታን መትከላን ከም ዝፈልጣ ሩዱእ እዩ፡፡ ኣነ ክኣ ዕድለኛ ኮይነ  ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ብድምጻ ዝፈልጣ ዝነበርኩ፡ ብኣካል ንኽፈልጣ ዕድል ረኺበስ፡ እንሆ  ምስኣ ዘዕለልኩዎ ሓጺር ዕላል  ናብ ኣንበብቲ የካፍል፡፡  ሰናይ ንባብ  ንኩሉኹም !!

 ሓታቲ፤- ዝኸበርኪ ኣደን ብጸይትን ደለይቲ ፍትሒ!! መጀመርታ  ምሳኺ ንምዕላል ኣብ ዝሓተትኩኺ ብኩፉት ልቢ መርሓባ ኢልኪ ስለ ዘፍቀድክለይ  ብስም፡ እቲ ብጽሓይን ንፋስን እንደተሸልበበ ዝናብን ኣሳሓይታን ኣብ ነብሱ እንዳ ኣጻሓየ፡  ጉዑዞ ሓርነትና ኩዉን ንምግባር ዝምርሽ ዘሎ ሰራዊት ሕድሪ የቐንየለይ፡፡

ሞሞና፤-  ኣነ ዉን የቐንየለይ ብሽም ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ፡፡

ሓታቲ፤-  መጀመሪ ዕላል ክትኮነና፡  ከም ዕድሚኣ ሙሉእ ንናጽነትን ሓርነትን  ዝተቓለስኪ  መጠን፡ ተዕልልና ነገር ይህሉ እዩ?

ሞሞና፤-›መሊኡ እወ ኣሎ!! ኣብ ስደት ዘሎ ይኹን  ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ በዚ ሎሚ እዋን እፎይ ኢሉ ዝሓድር የለን ክበሃል ይክኣል፡ እቲ ምኽንት የማን ጸጋም ዘይብሉ ብሰንኪ ኣብ ሃገርና ዘሎ ገባቲ ምልካዊ ስርዓት እዩ፡፡ ብዋጋ መስዋእቲ ጀጋኑ፡ ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተረኽበት ሃገር ኣብ መወዳእትኡ  ናይ ዉሑዳት ክትከውን ከነፍቅድ የብልናን፡፡ እዛ  ቡዙሓት ኣዝዮም ቡዙሓት፡  መንእሰያት ኤርትራ ኣወዳቶም  ኣዋልዶም ነዚ ቃልሲ እዚ ንምዕዋት፡  ክብርቲ  ዘይትምለስ ሂወቶም ወፍዮም  ዝሓለፉላ ሃገር ብምኳና እንኮርዓላ ምኳንና ንኹሉ ብሩህ ይመስለኒ፡፡ እዚ ዘይከሓድ ሓቂ  ሂወቶም ከም ዝብጅዉ ዝገበሮም  ሉዑል ፍቕሪ ሃገርን  ፍቕሪ ህዝቢን፡  ሰላም ንኽሰፍን ራህዋ ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ንኽህሉ ደኣ እምብር ዘዝጎበዘ ንኽስደድ ፈቐዶ ባሕርታትን ምድረበዳታትን  ብኣልማማ  ብሕሰም ክጠፍእ ኣይኮነን፡፡ ክፋእ ናይ ሲናይ ሕሰም ከኸውን ዜግኦም፡ ፈቐዶ መዓስከራት ስደተኛታት  ኢትዮጵያ ክድርበዩ ስድራቤታቶም፡  ኣሎ ዝበሃል  ኣደራዕ  ኣብ ሱዳንን  ኣብ መላእ ዓለምን ተበታቲኑ ንኽተርፍ ሕብረሰብና ኣይኮኑን ተሰዊኦም፡፡ መስዋእቶም  ሙሉእ  ቅሳነት ተረኺቡዎ  ክሓርስ ዝደሊ ሓሪሱ ዝነብረሉ ሃዋሁ፡ ክሽቅል ዝደሊ ሸቂሉ ዝነብረሉ  ዕድል፡ ክነግድ ዝደሊ  ናይ ምንጋድ ጡጡሕ ዕድል ንኽህሉ፡ እዮም  መተካእታ ዘይብላ ሂወቶም በጃ ብምቕራብ ሓሊፎም፡፡ መርኣያ ኩቡር መስዋእቶም ኽኣ ከም እዚ  ሕጂ፡ ኣብ ሕብረተሰብ  ኤርትራ  እንታይ ዓይነት ኩነታት  ክኸውንን ክህሉን  ኔርዎ እንተበልና፡  መናእሰያትና  ኣብ ክንዲ  ናብ ስደት ዝጓርት  ዕጫ ዘጋጥሞም፡ ምስ ናይ ዓለም  ምዕባለ  ብብልጽግናን  ቴክኖሎጂን  ፍልስፍናን ዝስጉም ሂወት ክምርሑ ምተገብአ፡፡ ስድራ ቤት ስዉኣት ሃገርና  ዘሐብን ምዕባለ  ሃገርና ርእዮም  ክደዓዓሱን  ክጸናንዑን ምተገብአ፡፡ ብሕጊ እትምራሕ  ዓዲ ዲሞከራስን ፍትሕን እትስመ  ሃገር ክንውንን ምተገብአ፡፡ እዚ ኩሉ  ገድልን ምስዋእትን ተሰጊሩ  ሓሳብ ልብና ክሰምረልና ካብ ዘይከኣለ ግን!  ሕጂ’ውን  ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ-ብፍላይ ክኣ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ክንዲ ናብ ዘይ ሕብረተሰብካን ባህለኻን ዝወስድ  መገዲ ስደት መሪጽካ  ሓደገኛ ጉዑዞ ፈተና ሂወት ምድረ-በዳን  ዉቅያኖሳትን ባሕርን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ሂወት ብምእታው፡ ኣደዳ ኩሉ ሽቑረራ ትኸውን፡  ዋላውን ስደት ሰሊጡካ ኣብ ዓዲ ጓኖት እንተ ኣተኻ፡ ስደት ስደት ስለ ዝኾነ፡ እፎይ ኢልካ ትነብረሉ ሂወት ኣይኮነን እሞ፡ ገጥ ኢልካ ክብርኻ ንምምላስ ክትቃለስ ኣለካ፡፡

መንእሰይ ብፍላይ ክቃለስን ኣንጻር ጭቆንኡ ደው ክብል ኣለዎን ክብለካ ከለኹ፡ ክቃለስ ስለ ዘለዎን ስለ ዝግበኦን እዩ፡፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ክኣ እዛ ብኩቡር ዋጋ መስዋእቲ ዝተረኽበት ሃገር ህዝባ ዝበታተኑላ ሃገር ተባሂላ ክትግለጽ እንከላ መስዋእቲ ዋጋ ኣይተረኽቦነ ማለት እዩ፡፡ ዋጋ ዝህልዎ እቲ መስዋእቲ ጻማ ክርከቦ ከሎ ኣብ ህዝቢ ጥራሕ እዩ፡፡

እምበኣርከስ ኩልና ኢደይ- ኢድካ ኢልና በብዓቕምና ንሓርነትና ክንቃለስ ኣሎና፡፡ ንቃልሲ ሓርነትና ክኣ ክንላማመነሉ ዘይኮነ ዘለና ግዴታና ምኳኑ ክንርዳእ ኣሎና፡፡ መሰልና ውን እዩ፡፡ ወለድኻ ዝወደቕሉ፡ መዛኑኻ ዝተኸፈሎ፡ ቡዙሓት ካብ መቕርብን መተዓቢትን ዝመንጠለካ ዕላማ ክግበት እንዳረኣኻ ስቕ ኢልካ ክትዕዘብ ብመሰረቱ ዝወሓጠልካ ኣይኮነን እሞ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ይኹን  ኣብ ወጻኢ ዘሎ፡ ሕጂ ውን ብፍላይ መንእሰይ  ወለዶ ንቓልሲ ድሉውን ዉፉይን ኮይኑ ነዚ ዘሎ ዘይ ህዝባዊ ስርዓት ካብ ሱሩ ክእለ  ኣለዎ ዝብል ሪኢቶ እዩ ዘለኒ፡፡

  ሓታቲ፤-   እስከ ነዚ ዓቢ መቃለሲ ምኽንያትና፡ ዓወቱ ንምቅልጣፍ እንታይ ዓይነት ሜላ ቃልሲ ክንጥቀም ኣሎና ትብሊ?

ሞሞና፤- እዚ ዓይነት ቃልሲ ተጠቀም ኢለ ናብ ሓደ ኣንፈት ቃልሲ ጥራሕ ከም ዝጥምት ዝመክር ዘረባ የብለይን፡ ምክንያቱ ኣብ ኩሉ ወገናቱ ድኹም ዝኾነ ዲክታቶራዊ ስርዓት ስለ ዝኾነ ጸላኢና፡ ብኡ መንጽር ክኣ ቃልስና ብኹሉ ዓይነት  ክኸውን ስለ ዝግባእ፡በዚ መሰረት ዓይነታት ቃልስና በቢንጥፈታቱ ተጓዒዙ ንሓደ ሩኡይ ሽግር ንምውጋድ ክከውን ኣልዎ፡፡ ነዚ ቃልሲ እዚ ንምዕዋት ዝቃለሳ ደምበታት ተቓዉሞ ክኣ ምስ ቡዙሕ ድኻማተን ዋላ ይኹና እምበር ኣለዋ፡፡ እዚ ንቓልሲ ክለዓዓል ኣለዎ ዝብሎ ዘለኹ ይኹን ተላዒሉ ዘሎ መንእሰይ ክኣ ኣብ ክንዲ ሀ››››..ኢሉ ሓዱሽ ውድብ ይኹን ምንቅስቓስ ክምስርት ህርድግ ዝብል ኣብ ዉሽጠን ብምእታው ዝጎደለ መሊኡ ካብ ሕማቕን ጽቡቕን ተመኩረአን ተማሂሩ ዕዉት ቃልሲ ክመርሕ ኣለዎ፡፡ ደምበታት ተቓዉሞ ንስርዓት ህግደፍ ክኣ ፍልልያተን ኣጽቢበን ብዉሑዱ ኣብ እቲ ዘሰማምዐን መዳይ ቃልሲ ተጊሀን ብምስራሕ፡ ሕድ-ሕድ ምጽዉዋርን  ሰናይ ምሕዝነትን  ብምርኣይ፡ ናብ ሓድነት ከምጽአን ዝኽእል ነጥብታት ብምፍታሽን ጡጡሕ ናይ ቃልሲ ባይታ ንመንእሰያትና ኣብ ምፍጣርን ኣበርቲዐን ክሰርሓ  ኣለወን፡፡ ውህደት ናይ እዚ ኩሉ ንህግደፍ ባይታ ምንባር ስለ ዝኸልኦን፡ ኣብ ውሽጢ ፍልልያትና ንኽነብር ቦታ ስለ ዘይህልዎን፡ ብኣንጻሩ ናብ ምዕታር ዓወት ቃልሲ ንሓርነትና ዘብጽሓና ጎደና ብምኳኑ ክንክተሎ ዘለና እዋናዊ ጠለብ ቃልሲ እዩ፡፡

ብፍላይ ኣብ  ቀረባ ካብ ሃገርና፤  ኣብ ከም በዓል  ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጁቡቲ፡ ተሰዲዱ ዝነብር ዘሎ መንእሰይ ሃገርና ልዕሊ ኩሉ ውን ነቲ ወጽዓ ህዝብና ብቐረባ ዝፈልጦ ንሱ ስለ ዝኾነ ናብ ቃልሲ ብቐጥታ ብምጽንባር፡ ነዘን ኣብ ፍልልይ ጥራሕ ዝነብራ ውድባት ኣብ ውሽጠን ኣትዩ ኣንጻር ህግደፍ  ብሓድነት ክሰርሓ ጸቕጢ ፈጢሩ ምስ ዝንቀሳቐስ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓጺር ግዜ ከብቅዕ ይኽእል እዩ፡፡ዝብል እምንቶን ሪኢቶን ኣለኒ፡፡

  ሓታቲ፤- ን ኣብ ትግባረ ቃልሲ ንሓርነት ዝርከብ ሰራዊት ሕድሪ፡ ብተደጋጋሚ  ዓቐብን ቁልቁለትን ሰናጢቕኪ ኣብ ቦትኡ ትበጽሕዮ ኢኺ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ዝተመላለስክዮ ኣብ  ከመይ ዝበለ ኩነታት ትረኽብዮ?

“ቁሩብ ንምምላስ ድንጉይ ስለ ዝበለትኒ፡ ነዛ ለዋህ ኣደ ደለይቲ ፍትሒ፡ ዓይነይ ካብ እቲ ዝሓናጥጠሉ ዝነበርኩ ወረቀት ኣቕኒዐ ኣተኴረ ዓይኒ ዓይና ጠሚተያ፡ ናይ ምድፍናቕ ዝመስል ወዝ ገጽ ከኣ ተዓዚበላ፡ ብድሕሪ ጻዕዳ መስትያት መነጽራ ኣስተብሂለ’ውን ኣዒንታ ንብዓት ቁጽር-ጽር ከም ዝበላ ኣስተብሂለ፡ ነዚ ዕጡቕ ሓይሊ እታ ዝቐረበት ኣባል ስድራቤቱ ምኳና ይፈልጥ ኔረ እየ፡፡ ኣብ ሊዕሊኡ ዘለዋ ተገዳስነትን ፍቕርን ልዑል እዩ፡፡ ኣብ እተን ንኽትበጽሖ ዕድል ዘይትረኽበለን ኣጋጣሚታት ተሌፎን ደዊላ ብመገዲ መስመር ማእከልነታቱ ኣቢላ  ጥዕንኡ፡ መነባብሩኡ፡ ንጥፈታቱ ተገዲሳ ትሓተሉ፡ ዝከኣላ ዘበለ ክኣ ብተግባር ላዕሊ ታሕቲ ትብለሉ ብጸይቱን ኣዲኡን እያ፡፡”

ሞሞና፤- ኣነ ነዚ ሰራዊት እዚ ኣዝየ እየ ዝናፍቖ፡ ብጣዕሚ እየ ዝናፍቆ፡ ይናፍቖ እየ በስ›››››››››››››››››› ንምንታይ እየ ዝናፍቖ ይመሰለካ! ወኒ ቃልሱ፡ ንእስነቱ፡ ተገዳስነት ኣብ ህዝባዊ ቃልሱ፡ ለውሃቱን ምክብባሩን የስተብህል እሞ፡ ድሓር ናብ ናይ ቀደም እዋን ሰውራና ብሓሳብ ይምለስ ንነብሰይ ክኣ ኣብኡ ይረኽባ፡ ናብኦም ንምብጻሕ ኣብ ዝብገሰሉ እዋን ደስ እዩ ዝብለኒ: ናብ ደረጃ ናይ ንእስነት ዕድመይ ዝተመለስኩ ኮይኑ ይስምዓኒ፡ ነገር ሓቂ ንመብዛሕትኦም ዓባየኦም  እየ ብዕድመ፡ ክኸዶም እንከለኹ ዝግበረለይ ኣቀባብላ ውን ከም ናይ ጋሻ ኣይኮነን፡ ከም ናይ መዛኑን  ቡጾትን  እምበር፡፡

ሎሚ-ሎሚ እሞ ኽኣ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ መዛንኡ ነቲ ቃልሱ እንዳ ተጸንብርዎ ይመጹ ስለ ዘለዉ ተስፋ ድሕነት ህዝብና ካብኡ እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ክኣ  እዚ ሓይሊ እዚ ብሓቂ ኣብ ዝበጻሕኩዎ እዋን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናይ ቃልሲ መትከሉ ይኹን ሞራሉ  ክብ ኢሉ እዩ ዝጸንሓኒ፡፡ መንፈሱ ክኣ ህዱእ፡ በዚ ዘሎ ኣርሒቅካ ናይ ምስዳድ ሕማቕ ባህሪ  ኣይጽሎ፡ ብዘሎ ምክፍፋላት ውድባት ኣይግደስ ነታ ንጽርቲ ዕላምኡ ንምትግባር ነዚ ዘሎ ናይ ዓመጽ ስርዓት ፊት-ንፊት ገጢሙ ንኽስዕር ብነብሰ ተኣማማንነት ዓሪዱ ዝርከብ ትስፉው ሓይሊ እዩ፡፡ ተስፋ ይገብር ክኣ ናይ ኩለን ውድባት ሓይሊ ዕጥቂ ተዋሃሂዱ ሓደ ዓቢ ናይ ህዝቢ፡  ናይ ሕጊ ጠበቓ ዝኾነ ሓይሊ ክቐውምን ክድልድልን፡፡

   ሓታቲ፤- ኣብ ባይታ ንዘሎ ሓይሊ ጎድኑን ኣባሉን ዝኾንክን  ኣዴታት ኣለኽን፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ኽኣ ኣብ ቃልሲ ዲያስፖራ ብመሪሕ ትጥመታ ተቃለስቲ ወለዲ ኣለኽን፡፡ እስከ ሚስጢር ናይ ቃልሲ ሓይልኺ እንታይ እዩ ምበልክኒ? ማለት ኣብ ቃልሲ ምድካም: ምስልቻው ክርአ እኳ ንቡር እንተኾነ ንስኺ ግን ገና ናይ ቃልሲ ሓይልኺ ፉሕ-ፉሕ እዩ ዝብል ዘሎ፡;

ሞሞና፤- ዘይከሓድ ሽምግልና  እኳ ኣሎ እንድዩ፡፡ ኣነ ግን እቲ ወጽዓ ዘምጽኦ ናይ ቃልሲ ድሌት ኣለኒ ዓቢ ሞራል ኣብ ውሽጠይ ሒዘ እየ ክኣ ዝቃለስ፡ ዘበገሰኒ ምኽንያት ቃልሲ ኣብ ዓወት ክሳብ ዝበጽሕ ክኣ ክሳብ ዘለኹ ብሂወት ንዓማጺ ዓገብ  ምባል  ኣይገድፍን እየ፡፡ ቃልሲ ብሓጺሩ ሂወተይ እዩ፡: ቃልሲ ክጽልኣኒ ኣይክእልን እዩ ሂወቱ ዝጸልእ ሰብ ክሳብ ዘይ ሃለወ፡፡ ከማይ ዝበላ ኣዝየን ቡዙሓት ነባራት ተጋደልቲ ከም ብዓል ጽጌ(paltalk ደሃብ 20)ኢላ ትኣቱ ዝኣመሰላ  ኣብ እዚ ሕጂ እዋን ውን ኣብ ቃልሲ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብራ ኣለዋ፡፡ ቀደም ኣትሒዘን ብትብዓት ዝቃለሳ ዝነበራ እሞ ነቲ ቃልሰን ብምቕጻል  ሕጂ ውን  ሰራዊት ሕድሪ ምስ ተባህለ ብፍላይ  ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብራ ዘለዋ ኣለዋ፡፡ ከምኡ ውን ደቅና ዝኾናን ብዕድመ ኣናእሽቱ ደቂ ኣንስትዮ ተቓለስቲ ምስ እቲ ኩሉ ማለኻታት ናብራ፡ ቆልዑ ምዕባይ’ዶ ክትብል ሓዳር ምእላይ  ምስ ኩሉ ተጽዕኖታት ስደት በዲሀን ናብ እዚ ቃልሲ  እንዳበረከታ ይመጻ ብምህላወን ውን እቲ ካልእ ሸነክ ንዓይ ንኽቃለስ ካብ ዘተባብዓኒ ነገር እዩ፡፡ ብተወሳኺ ውን ናይ  ዝዓበዩ ዝነኣሱ መቓልስተይ  ደቂ ተባዕትዮ ይኹኑ ደቂ ኣንስትዮ ምትብባዕን ኣጆኺ ዝብል ሞራላዊ ስንቅን ካብ እቲ  ንቃልሰይ ሓይሊ ሞተረ  ምኳኑ ክገለጸልካ ይፈቱ፡፡

   ሓታቲ፤- ኣብ እዛ ናይ ሎሚ ምስ ዘለኪ ግዜ ብምግንዛብ ሓጻር ዕላልና፡ ፍሉይ ክትብልዮ ትደልዪ ብፍላይ ናብ  ደቂ ኣንስትዮ ተቓለስቲ ዘድሃበ ትብልኒ ክሰምዕ ምደለኹ፡፡

ሞሞና፤- ደቂ ኣንስትዮ ተቓለስቲ  ካብ  መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኣብ ቃልሲ እንዳ ሰሰና  ይመጻኣለዋ፡፡ እዘን ዝሳተፍኦ ዘለዋ ዝዓቕመን ይገብራ ስለ ዘለዋ ናይ ብሓቂ ክምስገና ዝግበአን እዩ፡፡ ብዝበለጸ ኣብ ዘድምዕን  ንቃልሲ ኣበርክቶ ክህልዎ ኣብ ዝኽእልን መዳይ ቃልሲ ክንዲ ዝዓቕመን ከበርክታ ብምብጋሰን  እውን ሓንቲ መዓልቲ ገድለን ዕዉት ኮይኑ ክወጽእ ምንዮተይ እዩ፡፡

ነዘን ተቓለስቲ ሰናይ ሙንየተይ ገሊጸ እምብኣር፡ ነተን ብኣስገዳድ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ከይፈተዋ ኣገልገልቲ ዝነበራ፡ ብስም ስግረዶብ  ኣብ  ቤት ማእሰርቲታት ዝነበራን፡  ኩሉ ሕሰም ሰሃራን ዓመጽን ሰጊረን እንከለዋ ኣጽቂጠን ዘለዋን ዝብለን  ኣሎኒ፡; ደቀየ!!  ሕን-ሕነ ዝበሃል ኣሎ;; ዝወረደክን ኣደራዕ ተቃልሓሉ፡ ንካብ መዛኑኽንን ስድራቤታትክንን ናይ  ምፍልላይ ጠንቂ ዝኾነ ነውራም ስርዓት  ህግደፍ እትኹንናሉ መድረክ  ተቃዉሞ ኣለክን እሞ ብዉሑዱ ነቲ  ኣባኽን፡ ኣብ መዛኑኽን፡ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን ግፍዒ ብዓውታ ኮንንኦ፡፡ ነዚ ንቡር ዝበሃል ነገር ንኸይትቋደሳን ካብ ቤት ኣቦኽን ዕልል ተባሂሉ ከይምረቐልክንን፡ መንሽሮ መጻኢኽን ዝኾነ ስርዓት ኮንንኦ፡፡ ክብሪ ብምኽላእ ክብሪ ዝኸልኣክን ምኽንያት ኣስተብህላሉ፡፡ ብመሰረቱ ውን ደቂ ኣንሰትዮ ዘይብሉ ቃልሲ ፈጺሙ ክዕወት ከም ዘይክእል ኣሚንክን ኣደ ትኹን፡ መርዓት ትኹን፡ ጎርዞ ትኹን፡ ብዘይ ኣፋላላይ ኩላትና ብሓበራ ነዚ ቃልሲ ንሓርነትና ልክዕ ከም እተን ቀዳሞት ተጋደልቲ ንናጽነት ክሳብ መውጋእቲ ክሳብ መስዋእቲ ድልዉነትና ብምርኣይ፡ ናትና ኢልና ብምሓዝ ኣብ ዓወት ንኽበጽሕ ክንዲ ዝከኣለና ከነበርክተሉ ግዴታ ከም ዘለና ኣስተውዒልና ተሳትፎና ነዕዝዝ ይብለን፡፡

  ሓታቲ፤-  ብልቢ የቐንየለይ ኣደን ብጸይትን ደለይቲ ፍትሒ ሞሞና !!!

ሞሞና፤- ኣነ ውን ብስም ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ የቐንየለይ ይብለካ፡፡

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግ.ሃ.ድ.ኤ-ሕድሪ!!

ኣቕራቢ፡ ኣሰፋው ኣስመሮም (seneselomaY)

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር !!

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ደምዳሚ ኣዋጅ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ

ኣብ ትሕቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ካብ ወርሒ  ሕዳር 11/11/2014 ጀሚሩ ክሳብ ሕዳር 18/11/2014 ዝተጋብአ ህጹጽን ሓድነታውን ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ግሃድኤ)ን ምንቅስቓስ ንደሞክራስን ፍትሕን ኤርትራ (ምደፍኤ)ን  ብልዑል  መንፈስ ምዝዛሙ ንህዝብናን ንደላይ ለውጢ ዝኾነ  ኩሉ ከነበስር ንፈቱ፡፡ ኣብ መኽፈቲ ህጹጽን ሓድነታውን ጉባኤ ክልተ ማሓዙት ውድባት ግሃድኤን ምደፍኤን ናይ ክልቲኡ ውድባት መሪሕነታትን ከካብ ውድባቱ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጹን ዝተወከሉን መሰረታት ዝተሳተፍዎ፡ ከምኡውን ኣብ መኽፈቲ ዕለት ወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ዝተረኽብሉ፡ ብተወሳኺ ተዓዘብትን ዕድመ ዝተገብረሎም ምሁራትን ኣባላት ማዕከናት ዜናን ተረኺቦም፡፡ ብግዜ ሕጽረት ምኽንያት ብኣካል ክርከቡ ዘይከኣሉ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝርከቡ ኣባላት ውድባት፡ ኣባላት ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ግዱሳት ሃገራውያን ባእታታት፡ … ወዘተ ጉባኤና ንክዕወት ሰናይ ምንየቶም ብጽሑፍ ዝገለጹ ኣብቲ መኽፈቲ ዕለተ ጉባኤ ተነቢቡ፡፡

ኣብዚ ንሓደ ሰሙን ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ህጹጽን ሓድነታውን ጉባኤ  ግሃድኤን ምደፍኤን ኣብ መኽፈቲ ዕለት ምልኣተ ጉባኤ ብወግዒ ምስ ኣረጋገጸት ስዒቡ ጉባኤ ስሩዕ ስርሑ ንክጅምር ንጉባኤ ትመርሕን ተማሓድርን ሰክረታርያ ጉባኤ በጉባኤኛ ብደሞክራስያዊ መገዲ ተመሪጻ ስርሓ ጀመረት፡፡ ድሕሪ አዚ ጉባኤ ናይ ክልቲኡ ውድባት (ግሃድኤን ምደፍኤን) መሪሕነታት ጸብጻባት ሰሚዑን ዓሚቕ  እንካን ሃባን ክተዓት ድሕሪ ምክያዱ ነቲ ዝወረደ ጸብጻባት ብደሞክራስያዊ ድምጺ ኣጽደቐ፡፡ ቀጺሉ ውድብ ንዝመጽእ ዘሎ ክልተ ዓመት ዝምርሓሉ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ሕገ-ህንጻን መድረኻዊ መደብ ዕዮ ብዝጠልቦ ሰፊሕ ዘተ ብምክያድ ብምሉእ ድምጺ ኣጽደቐ፡፡

ህጹጽን ሓድነታውን ጉባኤና ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ናይ ሃገርና ኤርትራ ውሽጣዊ ጸገም ናብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ገጻ  ተንቆልቁለሉ ዘላ ህሞት ምዃኑ ንኹሉ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ብሩህ ኢዩ፡፡ እዚ ከኣ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝርከብ ህዝብና ኩሉ ሰብአዊ መሰላት ዝገሃሰ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ብኣልማማ ብዘይንሕስያ  ዝፍጽሞ ወይ ዘውርዶ ዘሎ ሃገር ከደን ዘይተኣደነ ቀጻሊ በደል ቆጺርካ ዝውዳእ ከምዘይኮነ፡ በዚ መሰረት ከኣ ኣብ ህዝብና ናይ ምብትታን ሓደጋ ከይበጽሕ ብኣግኡ ስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ህጹጽ ሃገራዊ ጥርናፈ ከምዘድሊ ጉባኤ ብዕምቆት ኣስሚርሉ፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኣንጸላልዩ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ምብትታን ንምኽባስ ኩሉ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝርከብ ካብ ውልቃዊ ጥቕምታትን ጸቢብ ኣተሓሳስባን ወጺኡ ንገራዊ ሓድነትን ፍትሕን ዝነገሳ ደሞክራሰያዊት ኤርትራ ንምህናጽ ናይ ሓባር ግንባር ብግሉጽነት ምምስራት ውዓል-ሕደር ዘየድልዮ፡  እዋኑ ሎሚ ምኳኑ ጉባኤ መዚኑ፡፡

ብሰንኪ ዘይ ውሕሉልን ጠገለ ዘይብሉ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጎረባብትናን ዞናናን ናይ ዘይምቕሳን፡ ሓላይነይት ዝበኾሮ ኩነታት ብምፍጣር፡ በዓል ቤት ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ መልክዕ ሃገርና ኤርትራ ተደዊኑ ምስ ኣሸበርቲ እምበር ምስ ሰላም ከምዘይትረአ ገይሩዋ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ ንኣህጉራዊ ሕግታት ኣብ ምጥሓስ ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ ብዓለም ኩሉ ተኸቢቡ ኣብ ክወጾ ዘይኽእል ዓዘቕቲ ተሸኺሉ ምህላዉ ጉባኤ ኣቐሚጡ።

ጉባኤ ኣብ ነካይደሉ ዘለና እዋን ኣካቢቦምና ዘለዉ ህልው ኩነታት፡

  • ውሽጣዊ ጸገም ኤርትራ፡

  • ወጻኢ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጠሮ ኣዕናውን ነጻልን ኩነታት፡

  • ኣብ ዞባዊ ከባቢታትና ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታትን፡

  • ሓፈሻዊ ኣህጉራዊ ኩነታትን፡ ኣመልኪቱ ብዕምቆት ዘትዩ፡፡

ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ንምእላይን ንምስዓርን ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ንምህናጽን ኩለን ወተሃደራዊ ክንፊ ዘለወን ውድባት ሓይልታተን ከስምራ ህጹጽን ሓድነታውን ጉባኤ መጸዋዕትኡ ኣቕሪቡ፡፡ ጉባኤና ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምሕያል ካብኡ ዝጥለብ ዘበለ ኩሉ ከበርክትን ጸኒዑ ክቃለስን ዳግም አረጋጊጹ። ከምኡውን ምስ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ብሓባር ክሰርሕ ምዃኑ ድልውነቱ ኣረጋጊጹ፡፡

ህጹጽን ሓድነታውን ጉባኤ፡ ብዛዕባ መንእሰያት ኣመልኪቱ ዕቱብ ገምጋም ኣካይዱ፡፡ መንእሰያት ተረከብቲ ሃገር ምዃኖም ብዕምቆት መዚኑ፡፡ ብስርዓት ህግደፍ ዝወርዶም ዘሎ ገደብ ዘይብሉ ባርነት መሪርዎም ናብ ስደት ከምርሑን ኣብ ጉዕዝኦም ከኣ ከቢድ ሓደጋታት ክሳብ ውሽጣዊ ኣካላቶም ተጠቢሑ ናብ መሸጣ ክወርድ ምጽንሑ ኮኒኑ፡፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን ስደት መፍትሒ ኣይኮነን፡፡ ብዘይ ሃገር ክብረት የለን ኢሎም ናብ ቃልሲ ክውሕዙ ምጅማሮም ንኣብነት ካብ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝርከቡ መንእሰያትን ካብ ካልኦት ሃገራትን ንዝምለሱ ዘለዉ መንእሰያትን ሞገሱ ገሊጹ፡፡ ከምኡውን ኣብ ቃልሲ ሃገራዊ ናጽነት ተወዳዳሪ ዘይርከቦን ሰፍ ዘይብልን መስዋእቲ ዝኸፈላ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ክብረት ኣብ ሕስረት ወዲቐን ከደምቲ ወታደራዊ መኮንናት ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ኮይነን ከምዘለዋ እሞ ሕጂውን ከምቲ ሕሉፍ ቃልሲ፡ ፍርቂ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ስለዝኾና ቃልሰን ክብርትዕ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ብዕቱብ ኣስሚርሉ፡፡

ጉባኤ፡ ነቲ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝለዓል ዘሎ ተቓውሞታት ንኣብነት ቅድም ኢሉ ብሓለፍቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ስዒቡ ድማ ብሓለፍቲ ገዳማት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ዝተወስደ ተባዕን ግሉጽን ተቓውሞን ውግዘትን ንኢዱ፡፡ ካብዚ ሓቅታት ብምምርኳስ ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት ሃገርና ዘለዎም መንፈሳዊ ተሰማዕነትን ሓላፍነትን ኣብ ግምት ብዘእተወ ንድሕነት ህዝቦም ክጣበቑን ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ሰናይ ቅድስነኦም ናብ መዓርፈኡ ከብጽሑዎ ጉባኤ ዘሎዎ እምነትን ተስፋን ኣንቢሩ።

ጉባኤና! ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብሓፋሻ ህዝቢ ኤርትራን ተጋደልቲ ደቁን ዝተዓትረ ሃገራዊ ናጽነት፡ ጓዕጺጹ ናብ ረብሕኡ  ንዘውዓሎ ኩሉ ዓይነት ትካላትን መሳርሕን መለለዪ ገባትነቱ ዘረጋግጽ ምዃኑ ደጊሙ ኣስሚርሉ፡፡ ጭቁናት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኩለመዳያዊ መሰሎም ተጋሂሱ ብዘይጻማ ኣገልገልቲ ውሑዳት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኮይኖም ደቆምን ስድራቤታቶምን ጠዋሪ ስኢኖም ኣብ ከርፋሕ ናብራ ተደርብዮም ከይኣክል፡ ዝኸኣሉ ከኣ እግሮም ናብ ዝመርሖም ስደት ዓለም ሃጽ ኢሎም ይጠፍኡ ምህላዎም ጉባኤና ካብቲ ብዓብይ ሻቕሎት ካብ ዝረኣዮም ሓደ እዩ፡፡ ኦ! ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ እሞደኣ ሃገር ናብ ሓደጋን ምብትታንን እንዳምርሐት ክሳብ መዓስ ኢኹም ኣገልገልቲን  ንብሽምኩም ዝሽቅጡ ውሑዳት ደው ትብሉን? ኣይፋል! ይኣኽለኩም ኢልኩም ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝብኹም ደው እትብልሉ እዋን ንጽባሕ ይጽነሓለይ ዘይበሃል ሎሚ ብምዃኑ፡ ህጹጽን ሓድነታውን ጉባኤና በዚ ኣጋጣሚ መጸዋዕትኡ የቕርበልኩም፡፡

ህጹጽን ሓድነታውን ጉባኤና፡ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይንቡር ምሕደራ ተቓዊሞም ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ፈቐዶ ሃገራትን ባሕርታትን ዘጋጥሞም ዘሎ ማሕለኻታት ንምፍታሕ ማሕበረሰብ ዓለም ዕቱብ ቆላሕታ ክገብርሉን መሪሕነት ውድብና ካብ ኩሉ እዋን ንላዕሊ ብዕቱብ ክሰርሓሉ ተማሕጺኑ፡፡ ከምኡውን ነቶም ዓሚ  ወርሒ ጥቅምቲ መጀመሪያ 2013 ኣስታት 400 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ደሴታት ላምፓዱዛ ጥሒሎም ዝሃለቑ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ካልኦት ቅድሚኦምን ድሕሪኦምን ኣብ ፈቐዶ ማያዊ ባሕርታትን ምድረበዳታትን ሂወቶም ዝስእኑ ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ድሕሪ ምግላጽ ብድሕሪ ሕጂ ተመሳሳሊ ህልቀት ንኸየጋጥም ምስ ዝምልከቶም ዓለማዊ ትካላትን ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራን ጉዱሳት ኤርትራውያንን ሓቢሩ ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ፡፡

ጉባኤ፡ ስሙር ሰራዊት ግ.ሃ.ድ.ኤን ም.ደ.ፍ.ኤን ሰራዊት ሕድሪ ኣብ ዝቖመሉ ግዜ ሓጎሶም ንዝገለጹን ሃናጺ ርኢተኦም ንዝለገሱን ከምኡውን ንዋታዊ ደገፎም ንዘበርከቱን ኩሎም፣ ልዑል ምስጋንኡ ገሊጹ።

ህጹጽን ሓድነታውን ጉባኤና፡ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ንደሞክራስያውን ፍትሓውን ቃልስታት ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ንምዕዋት፡ ዝገብርዎ ዘለዉ ረዚን ሓገዛት ዕዙዝ ምስጋንኡ ገሊጹ። ከምኡውን ሃገሮም ንዝገደፉ ኤርትራውያን ስደተኛታትን፡ ብገባቲ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ዕድላት ትምህርቲ ተሓሪሙዎም ዓዶም ዝገደፉ መንእሰያትና፡ ኣብ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ ማዕረ ዜጋታት ኢትዮጵያውያን ንክማሃሩ ጥጡሕ ዕድል ብምኽፋቱ ሞጎሱ ደጊሙ ገሊጹ። በዚ ኣጋጣሚ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ኣብ ዞባና ሰላምን ቅሳነትን ሰፊኑ ናይ ህንጸት ጉዕዞ ብምሓዝ ንዝኸድዎ መገዲ ልምዓት ብምንኣድ፡ ኣብ ዝለዓለ ምዕብልናን ብልጽግናን ክበጽሑ ጉባኤና ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ፡፡

ኣብ መደምደምታ ህጹጽን ሓድነታውን ጉባኤና ንምዕዋት ሓገዞም ንዘይተፈለየና ኣካላትን ፈተውትን ኣመስጊኑ፡፡ ንዝቕጽል ናይ ስራሕ ክልተ ዓመት ዝመርሑ 21 ቀወምትን 2 ተጠባባቅትን ዝአባላታ ማእከላይ ባይቶ፡  ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምራጽ ጉባኤ ብዓወት ዛዚሙ፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ

ሕዳር 18፡ 2014

ቀጠር ኣብ ኢትዮጵያ ናይ 500 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ተፈራሪማ

ኣውፈርቲ ቀጠር ኣብ ኢትዮጵያ 500 ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ዝውድእ ናይ ኣርባዕተ ፕሮጀክትታት ወፍሪ ከካይዱ ምዃኖም ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጸን።

ብመሰረት ‘ቲ ዝስምምዕ አብ ምብራቕ ኢትዮጵያ አብ ድሬዳዋ ናይ ስሚንቶ ፋብሪካ፤ ምድላብ ሃብቲ ሃብቲ እንሰሳ ከምኡ ድማ ናይ ዓሶ መድሃኒት መስርሒ ፋብሪካ ናይ ኮስሞቲክስ ፋብሪካ ንኸሰርሑ ተወዓዒሎም ኣለዉ።

ውልቀመላኺ ምልካዊ ኢስስርዓት ኢሳይያስ፣ ምስ ቀጠር ፍሉይ ዝምድና ኣለና እናበለ፣ ኢሳይያስ ንዝሓለፉ 23 ዓመታት ናብታ ክጅሃር፣ ንገለ የዋሃት ብተስፋ ምጽወታ እናኣታለለ ናብ ቀጠር ብምምልላስ ውራይ ውልቃዊ ሕክምናኡን ማእለማ ሽርሕታትን ክገብር ኳ እንተጸንሐ ኤርትራ ካብ ቀጠር ከም ሃገር ዝጠቅም ደገፍ ኣይረኸበትን።

እዚ ኸኣ፣ ሰበስልጣን ቐጠር አብ ቀርኒ አፍሪቃ ከረጋግጽዎ ንዝደልይዎ ረብሓታት ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ከም መሰጋገሪ ድልድል ክጥቀሙሉ ድሕሪ ምጽናሕ፤ ምስቲ ካብ ዓለም ተነጺሉ ዘሎ ስርዓት ምሽራኽ ክሳራ ምዃኑ ኣስተብሂሎም ብዘይፍረ ራሕሪሖሞ ይኸዱ ከምዘለለዉ ዘመልክት እዩ።

ኣናብባ ምትፍናንን ኣፈታትሓኡን፡

ኣናብባ ምትፍናንን ኣፈታትሓኡን፡ 08-01-15.

ደጊመ “እንዃዕ ናብ ልደተ-ክርስቶስ ኣብጸሓና” ክብል እፈቱ። ኣስዒበ ድማ ሙሉእ ልደተ – ሓርነት ክኾነልና እምነ።

“ከም ኣናብባኻ ኢዩ” ዶ ኢሉ ክቡር ፕረሲደንት። እዚ’ሞ ዘየጠራጥር ሓቂ ኢዩ። ከምዝመስለኒ ምትፍናን ውዱዕ ክኸውን እንከሎ ኣናብ ባኡን ፍርዱን (ውሳነ) ድማ ን’ባዕላዊ’ የመልክት። ውዱዕ ከተንብብን ክትውስንን ድማ ከምዋዛ ተኻኣሊ ኣይኮነን። ብውሑዱስ ሰለስተ ነገራት ክማልኡ ይጠልብ። ውዱዕ ዝትርጉሙ ብሉጻት ህዋሳት፡ ውዱዕ ዝገልጽ ምልከት ሃብታም ቋንቋ፡ ውዱዕ ዝቕበል ቅኑዕ ሕልና። ክልተ ቀዳሞት ምስክር ውዱዕነት ከነጽራ እንከለዋ፡ ሳልሰይተን ግና ናይ እምነት ምርጫ ተመልክት። ብኣሕጽሮት ንምጥቃስ “ብቕዓት ሰብ (ባዕላዊ) ዝፍረድ እምባኣር ብውህብቶ ውህደት ሰለስቲኡ ኩነቱ ኢዩ። ማለት ውዱዕ ከም ዘለዎ ምንባቡ ሓደ ነገር ኮይኑ፡ ውዱዕ ከምዘለዎ ናይ ምቕባሉ ወይ ናብ ረብሓኻ ምቕያሩ ድማ ክልእ ምርጫ ይስዕብ። ዝኾነ ኮይኑ ቅኑዕ ኣናብባ እንተኣልዩ ናይ ዓላማ ሓደነ ት’ውን ኣሎ። ሓደነት ድማ ብዕጫን ምርጫን፡ ብልዝብን ምክብባርን ክስነ ግዱድ ኢዩ። ውልቃውን ሓባራውን ረብሓታት ከምዘሎ መ ጠን ከኣ እቶም ምዙዛት ፖለቲካ ሃገራዊ ረብሓ ከቐድሙ ትጽቢት ይግበረሎም። መራሕቲ ካብ ጸቢብ ውልቃውነት ወይ ሰሪ ዘይብቑዕ ኣናብባኦም ሓቂ (ውዱዕ) እንተኣዘንቢዖም ነገር ስለዝበላሾ ናይ ሕጊ ተገዛእቲ ክኾኑ ግዱዳት ኢዮም። እሞ ንሕና’ዞም ተዛረብቲ ወይ ተ ዓዘብቲኸ ንፕረሲደንትናን መደረታቱን በየናይ መንጽር ኢና ነንብቦ ዘለና?

“ኣይትንባዕ እንድዩ ዘንባዓኒ” ክበሃል ንሰምዕ። ኣብዚ ረቒቕ ትርጉም ኣሎ። “ኣይትንባዕ” ማለት በቲሓደ ንምጽንናዕ ይኸውን። በቲ ካልእ ዘየንብዕ ስለዘንብዖ ከይነብዕ ዝድርኽ ትእዛዝ ይኸውን። እቲ ነባዒ ድማ ጸገሙ ዝርዳኣሉ ብምስኣኑ ተወሳኺ ከምዘንብዖ ተራእዩኒ። ሓ ደ ነገር ንኣብነት ቅትለት ንቀታሊ መድሃኒቱ ክትከውን እንከላ ንተቀታሊ ግና ሕልፈቱ ኢያ። ነዚ ኩሉ ንምፍዋስ ኢዩ ፍትሒ ዝድለ።

“ኣናብባኹም ኣይጠዓየን’ምበር ዋላ ካብቶም ክመጽኹም ትጽበይዎም ዝሓሽኩ ፍትሓዊ ብምዃነይ ኣነ ይሕሸኩም”…… ዝመልእኽቱ ሓሳ ባት ዘፍሰሰ ዝመሰለኒ ፕረሲደንት ብወገነይ’ውን ከምዝብሎ እጽበዮ ስለዝጸናሕኩ ንምንታይ ብከምኣ ቃልን ሓሳብን ከምዝጀመረ ኣይተ ደነቕኩሉን። ወዮ ድኣ ውድቀት ድማ መወዳእታኡስ ቅጥዒ ይስእን ኮይኑ’ምበር ዝኾነ ሰብ ብእወታኡ ክምጎስ፡ ብኣሉታኡ ክውቀስ ንቡ ር ከምዝኾነ መዓስ ጠፊእና። እቲ ከም ኣብነት ዝጠቐሶ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተራእየ ቅልጡፍ ዕልቕልቕ ድማ ውዱብዶ ፍኑው ምንባሩ ብዘየገደስ ከይተሓስበሉ ስለዝመጸ ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘየለ፡ ስለዚ ከምቲ ደጋጊሙ ከምተማህረ ዘተንበሆ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብኡ ተማ ሂሩ(ከምዘይዕወት)ንዘርእዮ ዘሎ ፍኒሕኒሕ ከቛርጾ፡ ክሳብ ኣብ መንግስተ ምድሪ ኮነ ሰማይ ንሱ ከምዝሕሸና ክንኣምን ከምስል ፈቲኑ። እ ዚ ብሂል’ዚ ምስታሪኽ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ቆላሊፉ ክጠቅስ እንከሎ’ውን ዝበኣሰ ከምዘይመቀረ ዘቓልዕ ኮነ።

ጸለምቲ ኣመሪካዊያን ሰውራ ተኺሎም ክዕወቱ ስለዘይከኣሉ ካብ ሃይማኖታዊ እምነቶም ኣብ ቤተ-ጸሎት ተኣኪቦም ኣምላኽ መለኮታዊ ምሕረቱ ከውርደሎም ምሒር እንተለመኑ፡ እቶም ሃይማኖታውያን ደላሎ መራሕቶም’ውን (ኣቕሽሽቶም ኮኑ መሻይኽ) ዋላ ነቲ ውዱዕ ክጥቀሙሉ እንተፈተኑ ነቲ ምትፍናን Polarization ክፈትሕዎ ኣይክእሉን ኢዮም። እዚ ንህዝቢ መጋገይ’ምበር መኽሰብ የብሉን። ምና ልባሽ መምሃሪ ጥራይ ኢዩ….ነበረ ተወሳኺ ዘረባ። ኢሉ ኢሉ ሰብ ብሰለስቲኡ ወገናት ክጥምት ከምዘለዎ ተላብይና ክቡር ፕረሲደንት።

ጉድ ኢዩ! እሞኸ ጸለምቲ ኣመሪካውያን እምነቶም ኣጽኒዖም ብዘይ ዕጥቅን ብውዱብ ጋላቢ ማዕበልን ንዓሌታዊ መንግስቶም ኣየናወጽዎ ን ዲዮም? ኣዝዮም ፍልጣት ጸለምቲ ከምእኒ ተጓሳጣይ ካሲስክለይ ብዘርኣይዎ ኣድማን ጽንዓትን፡ ዝረኸብዎ ናጽነትን ዝወረዶም ጉድኣ ትን ከምዚ ውዕሎ ሓርበኛታት ሃገርና ተጎስዩን ተረሲዑን ዲዩ? ወዮም ንህዝቦም ብጽኑዕ ሃይማኖታዊ ዓላማ ጠሚሮም ንዓለማዊ ዓመጽ ስዒሮም ክሳብ ሂወቶም ዝኸፈሉ እኒ ቀሺ ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ እኒ ብሂወት ዘሎ ዶዝመን ቱቱ……. ረሲዕዎም ዲዩ ክቡር ፕረሲደንት?

ኣይ! ኣነስ ንነገሩ ኢየ’ምበር ኩሉ መደረ ፕረሲደንትና መርኣያ ናይቲ ጥርዚ በጺሑ ዘሎ ስግኣቱ ኴይኑ’ዩ ዝረኣየኒ። ኮልዒ ሃገራውነት ን ዝኩልኳሉ ህዝቢ ኤርትራ ክንድኡ ዓይነት ኣስተምህሮ መዓስ መድለዮ ክቡር ፕረሲደንት። ወዮ ድኣ መታለሊ ኮይኑ’ምበር ታሪኽ መራ ሕቲ ሃይማኖትና ካብ ታሪኽ ሓርበኛታትና ዝተፈለየሉ እዋን’ኮ ኣይነበረን ክቡር ፕረሲደንት። ወዮ ድኣ ስግኣት እንተገልበጥካያ ስግ ኣት ኴይና’ምበር፡ ትማሊ ኢዩ’ኮ ከምዚናይ ሕጂ ገዛእቲ ክኸፋፍሉና ምስፈተኑ፡ ሓርበኛ ተቓላሳይ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን “ኣልራቢጣ ኣል እስላሚያ” ብዝብል ሃገራዊ ሰልፊ ንኣመንቲ እስልምና ጠርኒፎም ሃገር ካብ ምቕሊ ዘትረፉን ሓድነት ብዙሕ ዝእምነቱ ህዝቢ ዘውሓሱን ። ክቡር ፕረሲደንት ብደዉ ዝወገዙዎ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ምዃኖም ተረሲዑ ድዩ? ተረሲዑዶ ክተዓባበጥ ኩሎም’ቶም ብሰሪ እምነቶም ብጥበብ ጸቢብ ሃይማኖትነት ዘህለቐዎምን ካልኦት ተቐፊዶም ዘለዉ ፍሉጣት መራሕቲ ሃይማኖትን?

ኣንታ እዛ ትማሊ’ኮ ትማሊ ኢያ። ካንዶ እቲ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ሓብትኻ ኣበይ ኣላ”? ብዝብል ሕልና ዝቅስቅስ ኣቀራርባ ኣዳልዮም ዝዳሕድሕዎ መልእኽቲ ቃል እምነቶኦም ተረሲዑ ኮይኑ? እቶም ፍቐዶ ሃገራት ዘለዉ መራሕቲ ሃይ ማኖትና ብኣጋጣሚ ህልቂት ላምፓዱሳ ዘስምዕዎ መሪር መደረ ኤህታን ዝቕጽልዎ ዘለዉ ምሕጽንታንከ ተሰዊርዎዶ?

ቅድሚ ጣቛ ኣናብባናስ ውዱዕና እንታይ ከምዝመስል ካብድሮ ናጽነት ኣትሒዛ ሃገርና ኤርትራ ተሸኺላትሉ ዘላ ታኼላ ዓለም ዝበኽየሉ

ዘሎ ኢዩ። እዚ መቐጸልታ ናይቲ ህዝቢ ምእንቲ ሃገሩ እናተበጀወ ብኣንጻሩ ሰውራ ኣብታ በረኻኣ ከላ ንምብርዓና ክሕቆን ዝጸንሐ ምስ ጢር እንተመሰለና ከከምኣናብባኻ ስለዝተባህለ ምንም ኣይኣበስናን። ካብ ተመኩሮና ድማ ፕረሲደንትና ንርእሱ ኩሉ ንጥፍኣትና ዝዓለ መ በተን ኣንጻር ኤርትርራ ዝዓጠቓ ሃገራት ይወርደና ከምዘሎ’ኳ እንተኣብርሀ፡ ብግብሪ ከምዝረኣናዮ ግና ጸላኢናስ ኣብ ውሽጥና’ ምበር ስግር ከምዘየሎ ስለዝመስለና ኣናብባና ነመዓራርየሉ ግዜ ክናዋሕ የብሉን። ንሱ ንምድንጋር “እነዋለ ጸላእትኹም” እንተበለናስ ክሳዕ መዓ ስ ኢና ክንታለል? ጽባሕ ሓድሽ ኲናት እንተዝኸፍትከ ይእመንዶ? ስለዚ ክንዲ ጸላእቲ፡ ለኣኽቲ ምንዳይ ንዕዑ ምብድሁ ኢዩ ዝሕሸና።

ዝበልኩዎዶ ተረዲእኩሙኒ? ናይ ስግር ተጠቀምቲ ከየማዕደና ፈተናዮ ጸላእናዮ ካብዚ ዘለናዮ ሕስረት ቀንዲ ተጠቀምቲ ብመንግስታዊ ውዳበ ዝምእከሉ ኣብ ውሽጥና ከምዘለዉ ንእመን። ብዋጋ ሓርነትና ዝመጸ፡ መለሳ ገዛእቲ ስለዘይብሉ ንመራሒና ምቕዋም ድማ ኣካል ናይቲ ዝሓለፈ ቃልሲ ምዃኑ እናተቐበልና ውጥናቱን ዕርድታቱን ከነበርዕን፡ እንተፈተናዮ’ውን ነባሪ ብዘይምዃኑ መተካእታ ከነቛምት ይ ግባእ። ከመይ ዝኣመሰለ ስልቲ ኣገዛዝኣ ይጥቀም ከምዘሎ ካብነዊሕ ክንዛረበሉ’ዃ እንተጸናሕና ብግብሪ ንምብድሁ ግን እናሓደርና ብም ስናፍና እንሆ ንሱ ግደፍ ኣብዛ ንነብረላ ዘለናስ ኣብ ካልእ ዓለም እንተኸድና’ውን ክስዕበና ምዃኑ ዝምድረላ መዓልቲ ተቓሪባ ትመስል።

ከከምኣናብባኻ ካብ ኮነ ነቲ ናይ ምትፍናን ብልሓት ዝህልወና ኣናብባን ኣፈታትሕኡንከ ተሰማሚዑዶ?

ፕረሲደንትና ኣብ ዓለማዊ ቆይቝ ኣብዝተጸምደሉ እዋን፡ እቲ ንሱ ዝገብረና ዘሎ ብኻልኦት ይወርደና ከምዘሎ ኢዩ ዘምስል። ከምንዓይ እታ ጥበብ ሓንቲ ጥራይ ኢያ። ንሳ ድማ ሓድነት ምዝራግ ባቃ። ሓድነት ክዝረግ ኩሉ ግዜ ‘እናመሰለ’ ምትፍናን ምፍጣር። እዚ ምትፍ ናን ዝበሃል ቃል ብኣጠቓቕማ መራሒና ‘ምኑቛት’ ኢዩ። ኣውራጃ ምስ ኣውራጃ፡ ሓደ ሃይማኖት ምስካልእ፡ ነጋዳይ ምስከምኡ፡……..

ሃገረ-ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጣ ትናቖት፡ ምስ ዓለም ትናቖት! ዓበይቲ ዴሳውያን ሃገራት መርገጺአን ዓቂበን ምስ ኣመሪካአን ይማሓ ዘዋ። ሃ ገርና ድማ ብሰርን ምእንትን’ዚ ‘ምርኡይ’ መራሒኣ እንሆ ኣብ ነንሕድሕዳን ምስ ኩላ ዓለምን ክትናቖት ኣብ ባዶነት ወሪዳ ጉድ ኴይኑ!

ማለተይ ካልእ ኣይኮነን። ካብቲ “መንካዕ” ዝተሰምየ ምንቕስቓስ ተጋደልቲ ንምጥቃስ ሽዑ ዝጀመረ ተሓላላኽነት መስርሕ ምትፍናን ክ ሳብ ሎሚ’ውን ኣይመሓረናን። ከም ብ’ንኢሳይያስ ክቐትሉ’ ዝተላእኩ ሰለይቲ ዝጀመረ ጥበብ ምንቛት ከቢድ ናይ ሓዋሩ ሳዕቤን ኣኸቲ ሉ ኢዩ። ከምቲ ባዕሉ “ከም ኣናብባኻ” ዝበሎ ንክመስል ብዝጥበብ ክፍኣት ክሳብ ሎሚ ኩሉ ንጥፍኣትና ዝዕልም እኪት፡ ሓቅን ንቡርን እናመሰለና ሓሊፉን ኣሎን። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣብቲ ብ “ስንክሳር መግዛእቲ” ዘዳለኹዎ ተኸታታሊ ጽሑፈይ ከብርሆ ዝተቓለስኩ እ ቲ “ምምሳልን ምትፍናንን (ምንቛት) ድማ ከምሓያል ጥበብ ኣገዛዝኣ መጠን ደድሕሬና መጺኡን ክሳብ ህላወ መግዛእቲ’ውን ኣይክምሕረ ናን ኢዩ። እሞ በቲ እዋን’ቲ እቲ ‘ኣውራጃዊ’ ክመስል ዝተደለየ ምንቅስቓስ ኣብቲ ዝቐጸለ እዋን’ውን ተደግመን ተሰለሰን በዝሐን ድኣ!

ኣብዚ ሎሚ’ዃ ብገለ ሰባትሲ ኣብቲ ቃልሲ ኣውራጃነት ከምዝነበረ ተመሲሉ ክረዓም ዝተረፎ የብሉን። ግን’ኮ ኣብ ሰውራ ናይ ሰውራ ዓለም ጥራይ ኢዩ ዝነበረ። ማለተይ ኩላህና ንሓንቲ ዓላማ ዝወጻና ተጋደልቲ ዓዲ ኮነ ሃይማኖት ብዘይፈሊ ኣብ ሓንቲ መኣዲ ድማ ንኸ ብብ ነበርና። ኣብታ መኣዲ ውግእ’ውን ከምኡ ብሓደ ንጠፍእ ብሓደ’ውን ንለምዕ ነበርና። እሞ እቶም ኣብቲ ውዑይን ዝሑልን መራኽ ብቲ ኩሉ ጸገምሲ ብናይ ሽዑ ቃል፡”ብጻይ፡ ብጸይቲ” ድኣ ነበረ ኣጸዋውዓና። በቲ እዋን’ቲ ብጻይነት ልዕሊ ኩሉ ቤተ ሰባዊ ዝምድናታት ስለዝነበረት ብዛዕባ ኣውራጃ ኮነ ዓዲን ሃይማኖትን ዘሕትት ኣይነበረናን። ሎሚ ኩሉነገር መጺጹ ክርአ ምሒር እናጎምደደና ብፍላይ ነቶ ም ቀዳሞት ዘየሳንየና “ኣብ ሰውራ ኣውራጃነት ነይሩ” ዝብል ትንታነ በዚሑ። እቲ ሕቶ ናብ በሃልቱ ምስዝግምጠል ግን ኣውራጃውያን ከምዘይነበሩ ኢዮም ዝገልጹ። እሞ ንሳቶም ንጹሃት እንተነይሮም መን ድኣሉ ኣውራጃዊ ዝነበረ?

ከምዚ ናይ ሎሚ ንኩልና ረኺብና ዘሎ እቶም ሽዑ ክእርሙ ዝተበገሱ ተጋደልቲ ንጹሃት ምንባሮም ንምፍላጥ ግድን ሽዑ ምንባር ኣየድ ልን። ሓቅነቶም ተመንዚዖም ከይኣክል ብኣውራጃነት ክጥቀኑ ወጽዓኦም ዘግደደ ኩነት ነይሩ። እቲ ምሒር ዝኸፍአ ነገር ግና መስዋእቶ ም ክብሪ ስኢኑ ክውገን ምስእንታይ ይቑጸር? እንተ’ቶም ሎሚ ንሳቶም ብኣውራጃነት ከምዝተገደዩ ዝኣምኑ፡ ንእምነቶም ዝዳፈር ስምዒ ት’ኳ እንተዘይብለይ ግናኸ ኣይድግፎን ኢየ። ንሳቶም ኣብ ርእሲ’ቲ ደቂሓንቲ ኣውራጃ ዘይምንባሮም ዓላማኦም ብመሰረቱ ኣውራጃዊ ኣ ይነበረን። እንተ’ቲ ዘጋጠመ’ሞ ክሳብ ብመጉልሕ ድምጺ “ሓማ ስዒራ ኣከለ ተሳዒራ” ከምተባህለ እንተሰሚዕኩም በየናይ ገድላዊ ሞራ ል(መዐቀኒ) ኮን ይኸውን ከምኡ ዝተባህለ? “ኣብ ዓድዅም እንታይ ትህንኩቱ” ይበሃል ከምዝነበረ እንተሰሚዕኩምከ ብሓቂዶ’ቶም ንጹ ሃት ተጋደልቲ ምእንቲ ኣውራጃዊ ምጥንናግ ክንድኡ ተበላሒቶም ትብሉ? እንተ’ቲ ብዛዕባ መበቆልዓዲ፡ ኣውራጃ ምጽብጻብ ከምቲ ዝ ምላእ ዝነበረ ወረቐት መንነት ጥራይ ስለዝኾነ ኣይተጓዳእን። ሽዑ ብዘይካ ኤርትራውነት ታሴራኸ እንታይ ኣገዳስነት ነይርዋ? እሞ ዓድ ታትና ስለዘይተፋለጥና ኣብ ግዜ ምብጻሕ ስድራ ስዉኣት ጎዲእና እንተዘይኮይኑ ስዕቤናዊ ኣይነበረን። እቲ ክመስል ተባሂሉ ዝተሰንዐ ዓ ገብ ምስተራእየ ኢዩ ውንጀላ ዝጀመረ።

ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ትሕተ-ሃገራዊ ጸገማት ከምዘየለ ስለዝኣምን ኣውራጃቂ ተመዝማዝነት ብዓቕመይ ከምዘ ቕረብኩ መጠን ሎሚ’ውን ከምቶም ሕሉፋት ገዛእቲ እዚ ጥበበኛ መራሒ ጥራይ ኢዩ ከተፋንን ተጠቒምሉ በሃላይ ኢየ። ክሳብ ድማ ኣ ውራጃዊ፡ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታዊ….ኣምሲሉ ክውልዖ ንዝሃቀነ ውግእ ሓድሕድ ዓሊሙ ነቲ ደርጊ ዝዓደሎ ብረት ኣውሪድናዮ ከነብቅዕ ዳ ግምይ ከምዝዕጠቕ ከምዝገበረ ገሊጸ ኣለኹ። ሕጂ ድማ መታን ‘ክመስለናን ክንዝረግን’ ተዓሊሙ ኣብ ዝግበር ድግሲ ሕንፍሽፍሽ ሕጹያ

ያት ኢና’ሞ እንተዘይነቒሕና ብከምቲ ዝሓለፈ ገና ንብዙሕ ዘይተደላይ ሞትን ሕንፍሽፍሽን ክንዕደም ስለዝኾና ንጠንቀቕ።

ብተመኩሮይ ከውግዓኩም፡ ብላህጃን ዋዛን ናይቶም ኪኖ ጎቦ ሰገንለይቲ ኤርትራ ትበሃል ከምዘየላ ዝመስሎም ዝነበረ ብቑጽሪ ዝዕብልሉ ና ደቂ ካርንሽም ተጻዊተን ተዛንየን ኢየ። ልበይ መሊእለይ ድማ ከምቲ ኣብቲ ኲናት ብውቅዒት መሰንቆኦም ተቖጻጽየ ጥራይ ዘይኮነ፡ እ ንኮላይ ከጻውት በቒዐ። ከምኡ’ውን ኣብ ኩሉን ምስ ኩሎም ተጋደልቲ ብጾተይን። እሞ እቲ ዝሓደረኒ ፍቕሪ ህዝብና ክዳቐቕ ብእዋኑ ስ ለዘስተውዓልኩሉ ትምኒተይ ኣማሊኡ ዘተስፍወኒ ካብ ዘይረኸብኩ ቁልቁል ኣፈይ ተደፊአ ዝርንዝሕ ክነብዕ ዝኸልከለኒ ስለዘይነበረ ኢየ እንኮላይ ተጠሊዐ ከእዊ ዝመረጽኩ። ኣበሃህላይ ምናልባሽ የስሕቕ ይኸውን፡ ግንከ እዚ ስለሓቂ ዝብሎ’ምበር ተራ ታሪኽ ሂወተይ ኣይኮ ነን ዘንብብ ዘለኹ። መሬት ብእዋኑ’ውን ነዚ ሓድሽ ወለዶስ ከምታ ዝረኸበትና ከይትረኽቦ ካብ ዝብል መንእሰያት ዓለሞም ክፈጥሩ ከ ምዘለዎም ምዒደ። ትማሊ ድማ “ሃገራዊ ዕርቂ” ብዝብል ኣርእስቲ ምሕጽንታይ ብምጽሓፈይ ዝረኸብኩዎ ባዕለይ ይፈልጦ። ነቲኣብ ው ሽጥና ዝተወለዐ ምትፍናን ክጠቅስ ብዘቕረብኩዎ ኣብነት ክንድኡ ዝኣክል ብ“ባዕላውነት” ዝተጠመቐ እምባ መዘረጋሕ ክንከራረወኒ መ ሊሱ ኢዩ’ኳድኣ ዘናቕጸ ኒ። መልሓሰይ ድማ ብንጉሆኣ ኣይመባልዕተይን ኮይናስ ሎሚ’ውን ኣይትገድፎን’ያ’ሞ ኣይትንብዑለይ። ብርግጽ ክጋገ እኽእል ኢየ። ጌጋ ድማ ጌጋ’ምበር ገበን ኣይኮነን። እንተዘይኮይኑ ባዕለይ ዝፍልስፎ ነገር ከምዘይብለይ ተረድኡ።

ኣብታ ዘቕረብኩዋ ኣብነት ክመልሰኩም። ኣብታ መዓልቲ ዛዛሚት ኲናት ዝተራእየ ነገር ኢየ ድማ ዝጠቐስኩ። ሽዑ ኲናት ብሕጊ ኲናት ከምዝምእዘን ንፈልጥ’ኳ እንተነበርና፡ ትርፎ ብቆራጽ ኣመራርሓ ብጾትና ክንኮርዕን ብሓበራ ኣብ መምበስበስታና ክንሰቕሎምን እንተዘይ ኮይኑ ትእዛዝ ስብሓት እንታይ ከምዝነበረን ስለምንታይን ዝፈልጡስ ንሳቶም ኢዮም። ቀስ ኢሉ ነገር ምስለሓዀ ከምቲ ሕሉፍ ከምዝጀ መሮም በርሃልና። ኣብ ግዜ ሓለፋታት ክዝበጡ ዝተደልዩ መራሕቲ ንምድቓቕ ተዓሊሙ ክሳብ ኣብ ማእከል ናቕፋ ከም ‘ሸቃጊለ’ ዝተመ ሰሉ ሓለፍቲ’ኮ ነይሮም ኢዮም። መራሒና ንርእሱ ብዘዘውትሮ ናይ ምልኻዕ ጥበብ ተጠቒሙ ኣብ ድሮ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ኣሕሉቕትና ኣብ ርሻናት ኣስመራ ምስደየቡ ከምዘይወርዱልና ኣምሲሉ ኢዩ እምነትና ክሰርቕ ዝፈተነ። ኣብ ኣስመራ ብግብሪ ከምዝረኣናዮ ግን ንሳቶ ም ኢዮም ድምጽና ዝሰምዑ። ኣመልን ብልሓትን መራሒና ዘዝፈለጠ ዘበለ ብልሕጺ እንተተዳህለ ስለዘየኽፋኣሉ፡ በቲ ዝተረኽበ ዓወት ናይ ሓዋሩ ዝናን ተፈታውነትን ከየሕድሩ ተባሂሉ ብዝፈጠሮ ምንቛት ክኸውን ከምዝኽእል ዝሓሰብናዮ ነገር ድማ ከይደንጎየ መጸ።

ዕጥቂ ስብሓት ዘሊቓ፡ ዕጥቂ ክልቲኦም ከምዝጸንዐት ኢለ ዝጠቐስኩዎ ማለተይ ኢዩ። ሽዑ ከምተወርየ ኣብቲ ዝነበረ ኣኼባ፡ ከምቲ ከ ምዝነበሮም ዝውረ ዝምድና ስብሓት እናተናሸወ ጴጥሮስ እንተኣዚሙ፡ ጴጥሮስ ክሕነቕ እንከሎ ድማ ስብሓት ኣስቒጡ ከም ዝሓለፈ ኢ ዩ ንዓይ ዝተራእየኒ። ውጩ ብእምነቱ ንመቐለ ክድርገም ኣንቂዱ ጠዊል ድማ ዓዲ በጊዖ ከምዘጽንዐ እናተፈለጠ፡ ብኣንጻሩ ፍሊጶስ በቲ ኣጥርይዎ ዝነበረ ዝና ከይሽድን ግዲ ተደልዩ ነቲ ንዓመታት ብጸሊም ዓርኮብኮባይ ዝተሃንጸ ዕርዲ ፍጹም ከይተጠቕመሉ ሃንደበት ሸለ ው ምስበለ፡ ብኡንብኡ እቲ ሰፊሕ መሬት ባርካ ንሓደጋ ተጋለጸ።

ዘየጋልጽ ኣይነበሮን። መራሒና ዳርጋ ብሙሉኣ ወተሃደራዊ ሽማግለ ምስፈናጅለ-ጀበና ሰሪዑን ብዘይ ወተሃደራዊ ቀረብን ክንድኡ ዓይነ ት ኲናት ምውልዑ እንታይ ስለዝመደበ ከምዝነበረ ርዱእ ኣይነበረን። ኩሎም መራሕቲ ኲናት ከም፡ ዑቕበ፡ ጴጥሮስ፡ መስፍንን ካልኦ ትን ድስኩል ክእለቶም ብከመይ ከምዝጥቀሙሉ ከይተሓበሩ ዘዘሊሎም ሳላ ዝተረባረቡሉ ሃገር ተሪፋ። ብዓሰብ ዝተራእየ ክሳብ ትእዛዝ ምዝላቕ ዝጠሓሰ ናይእኒ ወዲዓልን ብጾቱን ተወፋይነት ድማ ከምኡ። ብወገን ዲፕሎማሲ ንዝተራእየ ናይ’ኒ ድሩዕ ተወፋይነትውን ትን ግርቲ ነበረ። እሞ ነዚ ኩሉ ድራማ ውግእ ዘዝራአየ ዘበለ እቲ ኲናት ንምንታይ ከምዝመጸ’ውን ክመራመር ጀመረ። መራሒና ግዳ ድሕነ ት ሃገር ፍጹም ኣይመዓሮን ኮይኑስ ነቲ ተወፋይነት ብ’ተሳዓርነት’ ፈብሪኹ ከነውር ተቐዳደመ። ክሳብ ደገፍቲ መድረኽ ለውጢ ዝጋሃዱ ድማ እቲ ዝሓየለ ግንባር ተቓውሞ ዝኸፈተ ድሩዕ ነበረ። ኣብቲ ናይ ቀውጢ እዋን ምጽቃጥ ዘይለመደ ዘበለ ስለዝተጸንበረ’ውን “ኣበይ ድኣ ነይሮም” ዝዓይነቱ መኻልፍ ተነዚሑ ክሳብ ብጅምላን ብተናጸልን ተኣረዩ። ብወገን ኤርትራ ወዮም ሃገር ዘድሓኑ ላዕለዎት መራሕት ን ንለውጢ ዘድመጹ ካድረታትን ክምቁሑ እንከለዉ ብኢቲዮጲያ ድማ ተመሳሳሊ ከምዝነበረ ምስተራእየ ጥርጣረና ኣዝዩ በረኸ። ዓላ ማ ናይቲ ውግእ ክርአ’ውን ሓደ ስእሊ ሂቡና። ክሳብ ለይቲ ሎሚድማ መራሒና ገና ጸሓዩ ስለዘይዓረበት ንዓና ንህዝቡ ኣብ ብልሒ መ ላጸ ጠጠው ከምዝበልና እናኣሻቐለ ተመኹልዩ የናቑተናን ይቕሽሸናን ከምዘሎ ኢዩ ኣናብባና።

እቲ ምትፍናንን ምንቛትን ነባሪ እንተኴይኑ ኣናብባና ድማ ይቕናዕ ኣይቕናዕ ክቕጽል ኢዩ። ንኣብነት ስልጣን ናይቲ ኣብስዊደን ብ”ጎልፎ” ዝተሓጨጨሉ መራሒ ዝወረሰ ፍሊጶስ’ውን ከይዓኾኸ ክዳቐቕ ምእንቲ ከቛስሎ ዝተወጠነ ዘረባ ተጀሚሩ ኣሎ። መቸም ደም ዘንቅዑስ ይነብሩ። ኢሊ ኢሉ ድማ ናይ ምጽፋፎም ቀውዒ ተኸሰተ። ብናይ ስርቖት ቅትለት፡ ብማሕዩር፡ ወያ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት በቢሓደ ጸኒታ ንዛንታ ሰለስተ-ኣርባዕተ ተሪፎማ። ኣዘዝቲ ሰራዊት ኮኑ ከዘንትዉን ክሰርሑን ዝኽእሉ ዝነበረ ተጋደልትን ህዝብን’ውን ባዲሞምን መኺኖምን ተሪፎም። ሃገር ኣብ ትልኽታ ኣብ ዘላትሉ ከምዚታት ምዝራበይ ድማ ባህገይ ተኾምቲሩ’ምበር ፖለቲካዊ ቁልዕጽዕጽ ኣብሂ ግኒ ከባልሕ ደልየ ማለት ኣይኮነን። እዚኩሉስ ስለምንታይ ተደልዩ?

ብዛዕባ ከጸልለካ ዝተጸለለ ዘረባ ምዝራብ ብሓቂ ክምነወካ’ውን ይኽእል። ንበል ብእገዳ ዝመጸ ንሱ ክንዲ-መዓት ክምዝምዞ ፈቲኑ። ናይ መዓስ እገዳ ኢዩ ዘዛርብ ዘሎ? ሓንቲ ባህሪያዊ ሃብታ ምስ ዓለማውያን ኩባንያታት ከምድላያ እናመዝሓቐት ትጥቀም ሃገር፡ ሓንቲ መራ ሕታ ከምቲ ቅድም ኣብ ገሊኦም ዝተራእየ ከይሰዓቦም ብዘይ ዓለማዊ ጸቕጢ ከምድላዮም ዝንቀሳቐሱላ ሃገር “ተኣጊደ” እንተበለት ኪኖ

ህልኪ ሓቅነት ኣለዎዶ? እተን ኣውፈርቲ ዕደናኸ ኣይእገዳን ዲየን ዶስ ቀይዲ በቲኸን? እዚኸ “ክንደየናይ ከየንብብዎ” ድዩ ተባሂሉ?

እንተ ብዛዕባ’ቲ ንዕዳጋ ዝወርድ ህዝቢ ከምዘይብልና ምጥቃሱ’ሞ “ቀሻሺ” ምበልናዮ። ግናኸ ንሱ ድማ “ኣናብባዅም ኣዐርዩ’ምበር ኣነስ ከምኡ ይራአየኒ ኣሎ“ ኢሉ ኣውሊዕ ዝቐርቀረት ጻዕዳ ርግቢት ክኾነልና ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ኩሉ ዝወርደና ዘሎ ዕንወት ምዱብ ሽርሒ ፈ ጠራ መራሒና ብምዃኑ ክንጥንቀቕ ከነእዊ መዋእል ምሕላፉ፡ ንሱ ድማ ተስፋ ምስ ሰኣነልና ኣግሂዱ ራህዋ፡ ብልጽግና፡ ሰላም….. ከምዝ ስራሕ ዳሕዲሕልና ኣሎ። ከምኡ እንተኾይኑ ከምንንጸል፡ ከምንደኪ፡ ከምንሃድም ከምንሽየጥ ዝገብር ዘሎ ኤርትራዊ ክቡር ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ምበር ኣብ ሃገርና ዝዓስከረ ጸላኢስ ኣይራአናን። ርግጽ እቶም ደምህት ዝበሃሉ’ውን ካብ ክዉንነቱ ንላዕሊ ከምስል ክ ብል ዝገብሮ ነገር ይበዝሕ። ከምእምንቶኡ እንተሓዞም ድማ ምስገዛእ ህዝቡ ዝበተኸ ሰብ ምስኦም ተጸጊዑኸ ይእመንዶ? ዝኾነ ኮይኑ ኤ ርትራዊ ዝኣክል ክቡርን ፍቱንን ህዝቢ ንግዚኡ ድኣ ይሰናኸል ማለት’ምበር ንሓዋሩስ ፍጹም ዝኾኖ ከምዘየለ ውቅያኖስ ተመኩሮና ዝም ስክሮ ሓቂ ኢየ።

ውድድር ባህሪያዊ ዕድሎት ሂወታዊያን ኮይኑ፡ ብፍላይ ሕብረተሰባዊ ውድድር ስለዘቕንእ መሰረት ምዕባለ ምዃኑ እሙን ኢዩ። ግናኸ ቅንኢ እንተዘይተቐዲሳ ናብ ምትፍናን፡ ምትፍናን ከኣ ብዕርቂ እንተዘይተፈቲሓ ናብ ረጽሚ ትዓርገሉ እዋን ከጋጥም ይኽእል። ረጽሚ ን ደላይ ህንጸት ቀታሊቱ ንደላይ ስልጣን መድሃኒቱ ብምዃና ገዛእቲ ከምቀንዲ መከላኸሊ ስልጣኖም ከምዝጥቀሙላ ፍጹም ኢዩ። ኣብ ከ ምኣ ንዝዓረደ ፕረሲደንትና ከነገላግሎ ድማ ብሃገር ንሕሰብን ብሓደነት ንጠመርን። ንሱ ኢዩ ድማ ባህርያውነትና።

ትጽቢት ናይዘን ቀረባ ኣዋርሕ ዝጸውር ዓቕሊ ይፍጠረልና! ድሓን ድማ ቀንዩ።

ጎደፋ፡

The Most Corrupt Countries in the World

Eritrea has been one of a number of African nations to benefit from a recent mining boom, but with new economic horizons have come staggering levels of corruption. According to some reports, the Eritrean government has brought in revenues of over $1 billion through the Bisha gold mine in 2011, yet this huge sum of money has not been accounted for. Horrific human rights abuses of mine workers also gained media attention in December 2014.

Hand-in-hand with this has come the involvement of high-ranking military figures in various types of illegal activity. Goods smuggling and even human trafficking connected to torture and organ removal are among the accusations levelled at the military, which the government apparently has little control over. The impact for the Eritrean people? Shortages of drinking water, lack of fuel resulting in frequent electricity blackouts, and many other daily hardships