ኤርትራዊ ኣምባሳደር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ

 

ምኽትል ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣቶ ቢንያም በርሀ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ ካብ ቨርጂንያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምንጭታትና ሓቢሮም። ኣቶ ቢንያም ዘቕረቦ ናይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ተቐባልነት ከምዝረኸበን ናብርኡ ኣብ ቨርጂንያ ምምራሕ ከምዝጀመረ እቲ ዝተረኽበ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።

ምኽትል ኣምባሳደር ቢንያም በርሀ፡ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ነፍስሄር መለስ ዜናዊ ናይ ሓዘን ክታሙ ንመንግስቲ ኤርትራ ወኪሉ ምንባሩ ይዝከር።

ብኻልእ ዜና ክልተ ካብቶም ኣብ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ ምስ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ የማን ገብረኣብን ዝተጓዕዙ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፖለቲካዊ ከምዝሓተቱ ካብ ኒውዮርክ ዝተረኽበ ዜና ይገልጽ። እቶም ዝተረፉን ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ልኡኻት ህግደፍ እቲ ሓደ ናይ ፕሮቶክል መዝነት ዝነበሮ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣዩ ግን መስነቱ ብዕሊ ኣይተገልጸን።

 

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ይገብር

ስብራ ዜና

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ይገብር

 

ስብራ ዜና

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ይገብር

 

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ውዕል ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ፡ ሎሚ 14 ጥቅምቲ 2018ንኻልኣይ ግዜኡ ናብ ኢትዮጵያ ምጋሹ ካብ ኣዲስ ኣባባ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ቀዳማይ ሚንስተር ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ተረኺቦም ኣቀባብላ ከምዝገበሩሉ ብተወሳኺ ገሊጾም።

እዚ ሃንደበታዊ ዑደት ንግዜኡዃ ብንጹር ክፍለጥ እንተዘይከኣለ፡ ብኻልእ ዜና ድማ ቲቪ ኤረ፡ ተጀሚሩ ዘሎ ዕርቀ ሰላም ምዕባለኡን ንምዝታይን ኣብ ጽላት ቁጠባ እታ ሃገር ንምዕዛብ ምዃኑን እቲ ዑደት ድማ ብዕድመ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይን ዝተገብረሉን ንክልተ መዓልታት ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝዝጸንሕን ብተወሳኺ ሓቢራ ኣላ።

ከምዝፍለጥ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፋ ቁሩብ መዓልታት ንኣጠቓቕማ ወደብ ዝምልከት መጽናዕታቱ ምጽፋፉን ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር። ብኻልእ ተዛማዲ ዚና ድማ ነዚ ናይ ዕርቂ ሰላም ሸምገልቲ ካብ ዝኾና ስዑድ ዓረብ ድማ ; ስዑዳዊ ዜግነት ንዝነበሮሞ ካብታ ሃገር ብፖለቲካ ምኽንያት ብስደት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝቕመጥ ዝነበረ ጀማል ኪሾጊ ኣብ ቱርኪ ኣብ ኢምባሲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ምቕታሉ ሓድሽ ፖለቲካዊ ሃዋህው ክፈጥር ከምዝኽእልን እዚ ድማ ነቲ መስርሕ ኢትዮ-ኤርትራ ክጸልዎ ከምዝኽእልን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ብተዛማዲ ዜና፥ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ መቀለ ተወሳኺ ዑደት ክገብር ትጽቢት ይግበር። እዚ ዑደት ድማ ነቶም ደገፍቱ ንምድንጋርን ምስቲ ክካየድ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ሃልኪ ሽግር ከይፈጥር ብኣዲስ ኣበባ ኣቢሉ ናብ መቐለ ዝተገብረሉ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ደገፍቱ ቁጥዐ ንምዝሕሓልን እቲ መስርሕ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ጥራይ ይግበር ምህላውን ብምምሳልን ምዃኑ እታ ዝተላእኸላ ዜና ይሕብር።

 

 

ንምንታይ እዩ መንግስቲ ኤርትራ ሃገራዊ ዕርቂ ዝሕሰም ዘሎ

 

ኤርትራ ብወግዒ ሃገራዊ ልኣላውነታ ካብ እተውሕስ ካብ 1991 ጀሚራ፡ ተዛማዲ ሰላምን ርግኣትን ዝረኣየትለን ዓመታት ኣዝየን ውሑዳት እየን። መሪሕነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ ናጽነት በላሕቲ የእምሮ እናቐንጸለ ክመጽእ እዩ ጸኒሑ። ኣብቲ ወታሃደራዊ ግጥም ምስ ጸላኢ ዝካየደሉ ዝነበረ ወቕቲ፡ ህዝብን ተጋዳላይን ኣብ ጉዳይ ናጽነት ኣድሂቦሙሉ ዝነበረ ወቕቲ፡ ምሁራት ኤርትራውያን ንዘልዕልዎም ናይ ዲሞክራስን ምምሕዳራዊ ሕቶታትን ንሱ ብዝዓሰቦም ጨጉር ዳንጋ ከምዝድምሰሱ ወይ ድማ ስጉምቲ ከምዝውሰደሎም ተገይሩ። ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ድማ ነቲ ዝኽት ዝነበረ ፖለቲካዊ ምዕባለ ዝምችኡ ሰባት እናመልመለ ነቶም ናይ ለውጢ ኣፋፍኖት ዝነበሮም ወይ ድማ ምስቲ ግዜ ዝጟዓዙ ማለት ፖለቲካዊ ብልሒ ዘጥርዩ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኮነ ገባሮ ብዝተፈላለዩ ሽጣራታት ኣብ ምጥፍኦም እዩ ተዋፊሩ።

ኢሳያስ ናብ ሰውራ ኤርትራ ካብ ተሰለፈላ መዓልቲ ጀሚሩ ተልእኮ ዝነበሮ ውልቀሰብ እዩ። ኣብ 1991 ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ካብ ዝዋሃብ ዝነበረ ናይ ታሪኽ ትምህርቲ ምርኩስ ብምግባር እዚ ዝስዕብ ብመምህር ፋዘር ተወልደ ናይቲ እዋን መምህር ታሪኽ 101 ተዋሂቡ ነይሩ።

ፋዘር ተወልደ፡ ኣብቲ እዋን ካብ ዝሃብዎ ታሪኽ ኢሳያስ ብኸምዚ ይገልጽዎ። ኢሳያስ ኣብ ዓላ ኮይኑ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብትእዛዝ ኣስራተ ካሳ ብመንጎኝነት ኣቶ ተስፋሚካኤል ጆርጆ ከምኡውን ወኪል ስለያ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ቓኘው ስታሽን ዝነበረ ሚስተር ኮፕላን ይራኸብ ከምዝነበረን ክሳብታ ኢሳያስ ዝራኸበላ ዝነብረ መኪና ታርጋኣ ከይተረፈ ገሊጹ ነይሩ እዚ ድማ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዝዝክርዎን እዩ። ኢሳይስ ኣብቲ እዋን ካብ ንጉሳዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ፋይናሲያዊ ሓገዝ ማለት ንጀብሃ ንምጥፋእ ክብርከተሉ ከሉ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ድማ ናይ ጀብሃ ምስ ሃገራት ማእከላይ ምስራቕ ብፍላይ ምስ ዒራቕ፥ ፍልስጤም፡ ሶርያ ካልኦትን ሃገራት ዝነበራ ዝምድና ምስቲ ናይቲ ግዜቲ ዝነበረ ዝሑል ዂናት ምስ ሕብረት ሶቭየት ወጊነን ብምንባረን ንቐይሕ ባሕሪ ኣብ ቑጽጽረን ከይወድቕ ስግኣት ስለዝነበራን ነዚ ተልእኾ ድማ ኢሳያስ ልኡኽ ናይ ክልተ ወገን ኮይኑ ስርሑ የሰላስል ነይሩ። ኢሳያስ ኣባል ወኪል ስለያ ኣመሪካ ኮይኑ ክሳብ 1995 ኣገልጊሉ እዩ። ኣብ ዓበይቲ ቀላያት ማለት ኣብ ኮንጎ ብዝገበሮ ምትእትታውን ንካቢላ ናብ ስልጣን ንምምጻእ ኣሽሓት ተጋደልቲ ብምኽፋልን ካብ ናይ ኮንጎ ባህርያዊ ሃብቲ ብጸሊም ዕዳጋ ክኸስብ ብምፍታኑን ርክቡ ክበትኽ ኪኢሉ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዝርከብ ሓበሬታ እንተሪኢና ኢሳያስ ብዛዕባ ኤርትራ ኤርትራውነትን ዋላ ሓንቲ ፋዓራ የብሉን። ደቀባት ኤርትራ ኣጥፊእካ ብተወልጀን ምእዙዛትን ውልቓዊ ጥቕሞም ልዕሊ መጻኢ ወለዶን ሃገርን፡ ከምኡውን ካብ ኣፍንጭኦም ኣሪሒቆም ዘይጥምቱ ሃንጎሊማታትን ተኸቢቡ ክነብርን ስልጣኑን ክሕልውን ጥራይ እዩ ዝሓስብ። ሎሚ ኤርትራዊ እቲ ዝበዝሐ ሃገሩ ገዲፉ ኣብ ምሉእ ዓለም ተበቲኑ ይነብር ኣሎ። ዝሓለፋ 27 ዓመታት ኢሳያስ ደመደይ ኢሉ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕንምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ኹናት ብምእታው ብህይወት መንእሰያት ኤርትራ ተጣሊዑ። እቲ ኩሉ ዝተኻየደ ኹናት ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ሃገራዊ ባይቶ ኮነ ህዝቢ ኤርትራ ቡራኼ ኣየንበረሉን። ህዝቢ ኤርትራ ብልምዲ ብሕጊ እንዳባኡ ሽግር ክፍጠር ከሎ ሽማግለታት ዓዲ ተኣኪቦም ሽግሮም ብስልጡን መንገዲ እዮም ዝፈትሑ ነይሮም። ኢሳይስ ግና ኮነ ኢሉ የዕኑድ ሃገራዊ ክብርታትና ከም ባህላዊ ቅርጥው ምሕደራ፥ ሃይማኖናትና ካልእን ብስም ሰውራ ከምዝጠፍእን ኣብ ክንድኡ ድማ ክሕደት፡ ሓሶት፥ ዘይምትእምማን ፈጢሩ ኣብ ውሽጢ ህዝብና ተራእዩ ዘይፈልጥ ማእዘንካ መንነትካን ምጥፋእ ከምዘጓንፎ ገይሩን ይገብርን ኣሎን።

እቲ ካብ ኩሉ ዝገርም ድማ፡ ኣብ ነፍስወከፍ 10 ዓመታት ተዋስኦ እናደረሰ ነቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ከገልግልዎ ዝጸንሑ ዝቕንጽለሉ ኣገባብ ምፍጣሩ እዩ። እቶም ግዳያት ዝኾኑ ዜጋታት ድማ ካብ ታሪኽ ዘይምምሃሮምን እዩ። ሰብ ሓደ ግዜ ክታልል ባህርያዊ እዩ ክደጋገም ከሎ ግና ገረ ጸገም ከምዘሎ እዩ ዝበርሃልካ። ኣብ ስደት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ፖለቲካዊ ሃገሮም ክሳተፉ ከምኡውን እዚ ዘሎ ተሓታትነት ዘይብሉ ብዘይሉጋም ዝመርሕ ዘሎ ኢሳያስን ገለ ኣጫፈርቱን ክቃወሙን ህዝቦም ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ክምራሕን ሃገሮም ድማ ብቑጠባ ነብሳ ኪኢላ መንእሰያታ ድማ ኣብ ቁጣባዊ ህይወት ሃገሮም ንክሳተፍ ክቃለሱ ጸኒሖምን ኣለዉን። ስርዓት ኢሳይስን ቁጠባ ሃገር ኣብ ስለያውን ጸጥታውን ከምኡውን ንሱ ዝፈጠሮም ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ከጥፍኦ እዩ ጸኒሑ። እዚ ድማ ነቲ ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ሓሱሳት ብምስዳድን ነተን ተፈጥረን ዝጸንሓ ውድባት ኣብ ውሽጠን ስልዃታት ገይርካ ከምዝብርዕና ክሰርሕ እዩ ጸኒሑ። ብዙሓት ዜጋታት ነተን ናይ ተቃውሞ ውድባት ክንቕፍወን ይስማዕ። ሃብቲ ሃገር ዝሓዘ ናይ ፋይናንሲያዊ ጸብለልትነት ዘለዎ መንግስቲ እሞኸኣ ምስቲ ብሃገራዊ ናጽነት ሰኺሩ ዝነበረ ህዝብና ፖለቲካዊ ሽጣራ ከየዛመደ ምስቲ መንግስቲ ስዕንድር ዝነበረ ከተወዳድሮ ምፍታትን ዘይስነፍልጠታዊ እዩ።

ስርዓት ኢሳይስ ባህርያቱ ብሓደ ውልቀሰብ ዝምራሕ ብኣነነት ዝሰኸረ ስለዝኽዕነ ንለውጢ ድልው ኣይኮነን። ዕርቂ ምስ ኢትዮጵያ ንጊዜያዊ ፖለቲካዊ መኽሰብ ክጥቀመሉ ከምዝኾነ ክንጠራጠር የብልናን። ስለዚ ተጋዳላይ፡ ተማሃራይ፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮታስ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ጸቕጢ ዝፈጥረሉ ግዜ ሕጂ ምዃኑ ፈሊጡ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከይወደቐት ከላ ብዛዕባ ቀጻልነት ወለዶና ክንሓስብን ይግባእ። እተን ተቓወምቲ ውድባት ድማ ቁጽረን ከምኡውን ቁጽሪ ኣባላተን ብዘየገድስ ሓባራዊ ስራሕ ክሰርሓን ንናይ መጻኢ ፖለቲካዊ ህይወት ሃገርና ሃባራዊ ስራሕ ክሰርሓ ይግባእ። ሃገራዊ ዕርቂ ኣብ መንጎ ውድባት፡ ሃይማኖታት፡ ክፍጠር ኩሉ አእጃሙ ከበርክት ይግባእ።

 

ፖለቲካዊ ቅነያት ሃገረ ኤርትራ

ድሕሪ ምኽታም ውዕል ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ፡ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብፍላይ ድማ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ካብቲ ዝነበረ ኣይሰላም ኣይዂናት ተናጊፎም ሰላማዊ ናብርኦም ብተዛማዲ ኣብ ምምራሕ ይርከቡ።

ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ንውሽጣዊ ዜናታ ሃገር ብተዛማዲ ካብቲ ናይ ኤርትራ ብዝሓሸ መልክዑ የቃልሕኦ ኣለዋ። ስርዓት ህግደፍ ከምኣመሉ ቆሎ ጥጥቆ ዝትሕዝትኡ እንተዘይኮይኑ እቲ ሓቐኛ ሓበሬታ ክህብ ኣይረአን ዘሎ። እዚ ብናይ ሓደ ሰብ ርእሲ ዝንቀሳቐስ ትካል እንትርፎ ፕሮፓጋንዳዊ ዝትሕዝትኡ ካልእ ትርጉም ዘለዎ ዜናታት ከቕርብ ኣይተዓደለን።

ስርዓት ህግደፍ፡ ከም መሳመሲ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ወያነን ኣመሪካን ፕሮፓጋንዳዊ ዜናታቱ ናብ ጓሓፍ ካብ ዝድርበ ኣዋርሕ ኣእቑጺሩ ይርከብ። መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ካብቲ ባዕሉ ዝጀመሮ ዂናት ብትኣምር መውጽኢ ረኺቡ ሕጂ ድማ ካልእ ድራማ ኣብ ምውዳድ እዩ ዝርከብ። ሕሉፍ ሓሊፉ ንወዱ ኣብርሃም ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ናይ ስትራተጂካዊ ስነዳን ምምሕዳርን መዝነት ኣሰኪሙ ስልጣን ወራስ ዓራት ኣብ ምልምማድ ይርከብ። እቲ ካብ ኩሉ ዝገርም ነዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ስጉምትታት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ካብ ከባቢ 2000 ዓም ጀሚሩ ጽልዋን ስልጣንን ዝነበሮም ተጋደልቲ በብሓደ ብምድስካልን ብምእሳርን ሙሉእ ብሙሉእ ስልጣኑ ከድልድል እዩ ጸኒሑ።

ድሕሪ ምንቅስቓስ ጉጅለ 15፡ ኢሳያስ ካብ ሚኒስትሪ ዜና ነቶም ነባራትን ምኩራትን ዝነበሩ ሓለፍቲ ጨናፍር ከምበዓል ተስፋይ ቀለታ ሓላፊ ፕረስ፡ መስፍን ሓላፊ ጨንፈር ኣገልግሎት ዜና፡ ኣስመሮም ገረዝግሄር ሓላፊ ረድዮ ካልኦትን ናብ ቤት ጽሕፈት ህግደፍን ሃኮሰአን ብምቕያር ኣብ ሰድያታት ተደርብዮም ከምዝውዕሉ ገይርዎም ይርከብ። ቀንዲ ዕላማ ናዚ ተግባርዚ ድማ እቲ ብተዛማዲ ሰንሰለታዊ ምምሕዳር ዝነበሮ መንግስቲ፡ በጣጢስካ ብምድርባይ ኢሳያስ ዝቖጻጸሮ ሓደስቲ ምእዙዛት ምምልማል እዩ።

ኢሳያስ፡ ብጸቕጢ ኣመሪካ፡ ስዑዲ ዓረብን ዒማራትን ተደፊኡ ከይፈተወ ናብ ናይ ውዕል ሰላም ከምዝኣተወ ድሒሮም ዝወጹ ዘለዉ ሓበሬታት ይገልጹ። ኣማኻሪ ወራስ ዓራት ንግስነት ስዑድያ ልኡል ሳልማን፡ ኣብ ሓደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከምዝሓበሮ፡ ናይ ኣመሪካ ኮነ ቻይና ከምኡውን ካልኦት ርእሰ ሃያላን ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገብርኦ ዘለዋ ምንቅስቓስ ብፍላይ ድማ ናይ ቻይና ዓብላሊት ኮይና ምውጻእ ስግኣት ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍርቓን ዓብይ ሻቕሎት ኣብ ልዕሊ ስዑድያን ካልኦት ሓገራት ወሽመጥን ስግኣት ፈጢሩለን ይርከብ። በዚ ድማ ስዑድያን ዒማራትን ከም ስትራተጂ ንየመን ተቖጻጺረን ኣብቲ ዞባ ሓደ ዓቢ ናይ ወፍሪ ማእከል ንምምስራትን ነዚ መደባት ንምትግባር ድማ እቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ዂናት ክቆጻጸረኦን ነዚ ንምቁጽጻር ድማ ዕሱባት ወታሃደራት ብፐትሮ ዶላር ክዕደጉ ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ ሶማልያ መደባት ተሓንጺጹ ምህላዉ እቲ ኣማኻሪ ወራሲ ዓራት ገሊጹ ኣሎ።

ከምዝፍለጥ፡ ኣብ 1995 ልዕሊ 10,000 ዝኾኑ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ኮንጎ፡ ንስርዓት ካቢላ ናብ ስልጣን ንምምጻእ ካብ ኪሳንጋኒ ክሳብ ኪንሻሳ ኣብ ዝተኻየደ ዂናት ሃሊቆም እዮም። እቲ መስርሕ ድማ ብሚስጥር ተዓቂቡ እቶም ተጋደልቲ ድማ ብዘይ ወረ ኣዋያት ኣብኡ ተደብዮም ተሪፎም። ብድሕሪኡውን እንተኾነ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ሱዳን ኣብ 1996 ዓመተ ምህረት ኣብ ዝካየዶ ዂናት መብዛሕትኦም ኣባላት 5ይ ዙርያ ዝኾኑ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትተወዲኦም እዮም። ብስም ሓሙሻይ መስርዕ ኣሳቢብካ ካልእን ምኽንያታትን ፈጢርካ ተኸተልቲ ምስልማና ንዝኾኑ ዜጋታትና መንቑሕቛታ ንዝነበሮም ዜጋታትና ኣጥፊኡ እዩ። እዚ ንኽትኣምኖ ዘጸግም ፍጻመታት ብዘይካ እቶም ዝወዓልዎ ካልእ ክሰምዕ ዘጠራጥርውን እዩ። ኮይኑ ግና ዝወዓለ ይንገርካ ከምዝበሃል መብዛሕትኦም ኣብ ከባቢ ባርካ ዝነበሮ ነዚ ስርሒትዚ ዘካይዱ ዝነበሩ ገለ ብዕድል ዝተረፉ ኣባላት 5ይ ዙርያ ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ኤርትራ ክውን ንምግባርን ህላውነታ ንምዕቃብን ማእለያ ዘይብሉ ህይወትን ንብረትን ከፊልና። ሕጂ ኸ ናበይ?

ህላውነት ኤርትራ ኤርትራውነትን ክቕጽል እንተድኣ ኮይኑ፡ ኤርትራ ናይ ተጋዳላይ፡ ኤርትራ ናይ ተማሃራይ፡ ኤርትራ ናይ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኤርትራ ናይ ሲቪል ኤርትራ ናይ ገባር፡ ኤርትራ ናይ ሸቃላይ፡ ኤርትራ ናይ ምሑር ኮታስ ኤርትራ ናይ ደቀባት ኤርትራ እያ። ፖለቲካ ካልእ እዩ መሬት ዓደቦ ናይ ኩሉ ወደባት እዩ። ፖለቲካ ክሰርሑ ዝደልዩ ፖለቲካ ክዛረቡ ይኽእሉ እዮ እንተ እታ መሬት ግን ዋና ኣለዋ። እዛ መሬትዚኣ ቀደም ኔራ ሎሚ ኣላ ጽባሕውን ክትቕጽል እያ። ህግደፍ ሰልፊ እዩ ህግደፍ ሃገር ኣይኮነን ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይውክልን እዩ።

 

 

እቲ ሕቶ ሰላም ተኸቲሙ፥ እቲ ዝዓበየ ዋኒን ከ መዓስ እዩ ክትግበር

መንግስቲ ኢትዮጵያን ስርዓት ህግደፍን ናይ ሰላም ውዕል ካብ ዝፈራረሙ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ። ብወገን መንግስቲ ኦትዮጵያ ኣብ ሃገሩ፥ሓያለ ስጉምትታት ብምውሳድ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ለውጥታትን ምዕባለታትን ብግብሪ የርእይ ኣሎ። ብኻልእ መዳይ ኣብ ኤርትራ ካልእስ ይትረፍ ሃገራዊ ዕርቂ ዝጽውዕ ዝኾነ ተበግሶውን ኣይተወስደን። እቲ ልዕሊ ኩሉ ዝገርም ሕጂውን እንተኾነ ስርዓት ህግደፍ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ኣካይዳ ዝቐየሮ ወላ ሓንቲ ፖሊሲ የልቦን። እዃ ደኣ በኣንጻሩ ኣብ ስደት ንዝነብሩ ዜጋታት ንምድንጋር ሓድሽ ውዳበታት ፕሮፓጋንዳ ዘናፍሱ ዜጋታት ወዲቡ ብስውርን ቅሉዕን ክንቀሳቐስ ጀሚሩ ኣሎ።
ህግደፍ እቲ ክኸደሉ ዝጸንሐ ግጉይ ዕንደራ ፖሊሲኡ ንዕቐት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሕጂውን ኣይቛረጾን። ጉዳይ ሃገር ናይ ኩለ ዜጋ ማለት ብሄራት፥ ፖለቲካዊ ውድባት፥ ውልቀሰባት እዩ። እታ መሬት ናይ ኩሉ ደቀባት ኤርትራ ዋንነት እያ። ስለዝኾነ ከ ነፍስወከፍ ዜጋ እዛ ሃገር መጻኢ ዕድላ ክውስን ሓለፍነት ኣለዎ። ልኡኻትን ሃሱሳትን ህግደፍ ግና ንህዝብና ብምፍርራህን ብራዕድን ክመርሕዎ ሕጂውን ከይደቀሱ ዝሓልምዎ ዘለዉ ጉዳይ እዪ። ከምቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን እዩ ነገሩ። እቲ ክሳብ ምኽታም ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ዝፍጸም ዝነበረ ፕሮፓጋንዳ ሸፈጥ ህግደፍ ብምንታይ ክትካእ እዩ። ወያነን ኣመሪካን መውጽኢ ኣፍ ፕሮፓጋንዳዊ ሸፈነ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ምንባረን ኩልና ንፈልጦ ሓቂ እዩ።
እቲ ካብ ኩሉ ዝገርም ኣብ ውሽጢ ሃገር፥ ዜጋታት ብምጭዋይን ብምእሳርን ዝገብርዎ ግብረሽበራዊ ተግባር ከይኣኽሎም ፥ ናይቲ ስርዓት ልኡኻት ከም በዓል ብርሃነ ገብረሂወት ዝኣመሰሉ ናይ ትማሊ ዋህዮታት ሃማመትኤ ናይ ሎሚ ወኪላት መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ኣኼና ጸዊዕም ንህዝብና ናይ ምዝራብ መሰሉ ረጊጾም ምፍርራህን ምጉብዕባዕን ከካይዱ ክትርኢ ከለኻ ክሳብ ክንደይ እዞም ሰባት ካብ ስልጣነ ርሒቆም ከምዘለዉን ንዕቐት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከምዘለዎምን ዘርእን እዩ። ዝኾነ በዓል ስልጣን ልዕሊ ሕግን ካብ ማንም ዜጋ ዝላዓለ መሰል የብሉን። ሃገር ናይ ኩሉ እያ። ኩሉ ድማ ይሓመላ እዩ። እቶም ወይጦ ህግደፍ ዘነኣእሶም ዝነበሩ ዜጋታት ትማሊ ንሱ ኣብ ቤት ጽህፈት ሃማመትኤ ናይ በዓል ዓሊ ኣብዱን ሙሕየዲን ሸንገብን ድስቲ ከልምጽ ከሎ፥ ኣብ ጎዳጉድን ኩርባታትን ንሃገሮም ዝዋደቑ ዝነበሩሞ ብሰንኪ ግዕዙይ ምሕደራ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ጉጅልኡን ሃገሮምገዲፉም ናብ ስደት ዝመጹን እዮም። ኣብ ሃገረ ኣመሪካ፥ ኣብ ዓዲ ሕግን ዲሞክራስን ህዝቢ ኣኪብካ ምጉብዕባዕ ከምዘይካኣልን መዘዝ ከምዘለዎውን ፈሊጥኩም ኣካይዳኹም እንተኣማሓየሽኩም ጽቡቕ እዩ። ህዝብናውን ነቲ ቅኑዕ ቅኑዕ፥ ነቲ ጌጋ ጌጋ ትብለሉ መድረኽ ሕጂ እዩ እሞ በዞም ሃሱሳት ከይተደሃልካ ንመሰልካ ተቓለስ። ስደት ዜጋታት ከብቅዕን ዲሞክራሲያዊት ሃገረ ኤርትራ ናይ ኩልና ትኾነሉ ቃልሲ ኣበራትዕ።
ጉዳይ ሃገርና ካብ ኢድ ዜጋታታ ወጺኡ ሎሚ የዕራብ ወደባትናን መሬትናን ይዕንድሩሉ ኣለዉ። ኢትዮጵያውያን ሰብ ርእሰማላውያንውን ኣብ ዓሰብ ናይ ኢንቨስትመንት መደባት ጀሚሮም ኣለዉ። መንግስቲ ኢትዮጵያውን ቤት ጽሕፈት ሓይሊ ባሕሪ ከፊቱ ይርከብ።
ኣብ መደምደምታ ኤርትራዊ መንእሰይ ወለዶ ፥ ነገር ከይሳዕረረ ነዚ ብዘይ ልጓም ሃገራዊ ረብሓን ክብርታትናን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውድቕ ዘሎ መራሒ ሃገር እያ በሃላይ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ስርዓቱን ንምድምሳሶምን ተላዓል። ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ከርሲ መቓብሮም ድማ ክተክል ኢደይ ኢድካ በል። ህላውነት መጻኢ ዕድል እዝ ሃገርን ዜጋታታ ድማ ውሑስ ክኸውን ይግባእ።

ቃል ኣዳለውቲ

መጸዋዕታ

መርበብ ሓበሬታ ሕድሪ፡ ቅድሚ ዂናት ኢትዮ ኤርትራ ዝጀመራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ሓላፍነት ተሰኺማ፡ ነቶም ከም ሽምዓ ዝመኩ ዘለዉ ኣዳለውቲ ጋዜጠኛታት ሕድሮም ተሰኪማ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክሳብ ዝትከል እጃማ ከተበርክት ተዳልያ ትርከብ። እዛ መርበብ ሓበሬታ ድማ ንኹሉ ኤርትራዊ ክፍቲ እያ። ኣብዛ መርበብ ሓበሬታ ዝቐርቡ ጽሑፋት ድማ ሚዛናውያን ክኾኑ ኣድላዪ ዘበለ ጻዕሪ ከተካይድ ክትፍትን እያ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተራኣየ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ዝተዓዘብናዮ ጉዳይ እንተሃልዩ ውልቃውን ውድባውን እምነት ልዕሊ ሃገራዊ ሰሪዕካ ዝግበር ፖለቲካዊ ንጥፈታት እዩ። እዚ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ ሓድሽን ካብቲ ዝሓለፈ ብዝሰልጠነን ብዝማዕበለን ኣተሓሳስባ ተሰኒና ህዝብና ጠርኒፍና ሃገርና ፖለቲካዊ ርግኣት ዘለዋ ዲሞክራሲያዊት ሃገር ክትኸውን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ወለዶ ራእይ ንክኸውንን እቲ ባይታ ክፍጠርን እዛ መርበብ ሓበሬታ ዝካኣላ ክትገብር እያ። ስለዝኾነ ድማ ድሑር ሕማማት ዘብቕዕሉን እዚ ሓድሽ ወለዶ ድማ ሓላፍነቱ ዝስከመሉ ባይታ ክፍጠር ኣለዎ። እቲ ባይታ ክፍጠር እንተድኣ ኮይኑ ድማ መንእሰይ ተላዓል፥ ተወደብ ጉዳይ ሃገር ናትካ እዩሞ፡ ቅያ ንኽትሰርሕ እጅገኻ ሰብሲብካ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ክትፈጥር ባይታ ፍጠር።

ዜናዊ ሓበሬታ፡ ግጥምታት ስነ ጽሑፋት ከተበርክቱን ኣብዚ ዝግበር ቃልሲ ኣበርክቶኹም ክትገብሩ ትጸልዩ ዜጋታት በቲ ኣብዛ መርበብ ሓበሬታ ዝርከብ ኣድራሽ ጌርኩም ክትሰዱ ትኽእሉ ኢኹም።

“ቄሮ” ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ክድገም ኣለዎ

 

ቅዋማዊ ስርዓት ክትከል ኣለዎ
ናይ ፖለቲካ እሱራት ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ ኣለዎም

ሎሚ ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈልየ ኩነታት ሃገርና ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ትርከብ። ኢሳያስ ኣፈወርቅን ንሱ ዝመርሖን ህግደፍን ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ልኣላውነት ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእትው ኩነታት ኣብ ምፍጣር ይርከቡ። ኢሳያስ ብኣነነት ተደሪኹ ንህዝብናን መጻኢ ዕድል ሃገርናን ዘሰክፉ ሓያሎ ስጉምትታት ኣብ ምውሳድ ይርከብ። መብዛሕትኡ ህዝብና ንፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮ-ኤርትራ ብቐረባ ኣብ ምክትታል ይርከብ። ሎሚ ተቓዋማይ ኮነ ደጋፋይ ኩነታት ሃገሩ ኣሰኪፍዎ ናበይ ኮን እዩ እዚ ኩነታት ዝመርሓና ዘሎ ብምባል ስክፍትኡ ኣብ ምግላጽ ይርከብ። ብኣንጻሩ ህግደፍ ብኤምባስታቱን ገለ ገለ ሰብ ረብሓን ነዚ ዘሎ ህልዉ ኩነታት ካልእ መልክዕ ሂብካ ንምጥምዛዙን ዕድመ ስልጣን ኢሳያስ ንምንዋሕን ላዕልን ታሕትን ኣብ ምባል ይርከቡ። ወኪል ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቶ ብርሃነ ገብረሂወት ፥ ካብ ዝተፈላለየ ክፍለ ግዝኣት ኣመሪካ ንዝመጹ ኣብ ቨርጂንያ፥ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ነቲ ህዝብና ብማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ዝኸታተሎ ዘሎ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገሩ ንምሽፋንን ኢሳያስን ላዕለዎት ሓለፍቱ ንዝሃብዎ ናይ መደናገሪ ፕሮፓጋንዳዊ ዘመተ፥ ነቲ ብናይ ኢትዮጵያ ማዕከናት ዝቐርብ ዘሎ ሓበሬታታት ከቆናጽቦ ተራእዩ። ብኻልእ መዳይ ድማ ብናይ ህግደፍ ማዕከናት ሸፈነ ዘይምርካቡ ሕምቀት ማዕከናት ዜና ህግደፍ ተኣሚኑ።

ኣቶ ብርሃነ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺኡ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብናይ ኢትዮጵያ ኮነ ካልኦት ማዕከናት ዜና መዓልታዊ ዝከታተሎ ዘሎ ሓበሬታታት፡ ጸረ ህግደፍ ዝኾኑ ሓደ ክልተ ዜጋታት ዘናፍስዎ ሕማቕ ወይ ድማ ዘይቕኑዕ ሓበሬታ ምዃኑ ክሕብር ፈቲኑ። ስርዓት ህግደፍ ንዝሓለፉ 18 ዓመታት ዶብና ከይተሓንጸጸ ዘቤታዊ ዕዮ ከነካይድ ኣይንኽእልን ኢና። ስርዓት ወያነን መንግስቲ ኣመሪካን ዶብና ከይሕንጽጽ ሓንጊዶም ብምባል ፖለቲካዊ ሽጣራታት ክጥቀም ጸኒሑ። ሕጂ ግና እቲ ኩሉ ክግበር ዝጸንሐ ሓሶትንን ሽጣራታት ተኸሺሑን መመሳመሲ ተሳኢኑሉ። ካልእ ሓደስቲ ሓሶታት ንምፍብራኽ ኣብ ምድላው ይርከብ። ድሮ ሓደ ሓይሊ ዕማም ኣዳልዩ ፕሮፓጋንዳዊ ዘመተ ንምክያድ ላዕልን ታሕትን ኣብ ምባል ይርከብ። እቲ ልዕሊ ኩሉ ዝገርም ነገር ግን ስርዓት ህግደፍ ሃገር ብዘይ ቅዋም፡ ባይቶ፥ ሃገራዊ ባጀት እናመርሐ ናብ ድቕድቕ ዝበለ ጸላም የህትፋ ምህላውን ኩነታት ሃገርና ድማ ካብ ዝከፍአ ናብ ዝባኣሰ ኣብ ምስግጋር ትርከብ። ንዝሓለፉ 18 ዓመታት መንእሰይ ኤርትራ ናብ ስደት፡ ኢሳያስ ድማ ከም ደምሒት፥ ግንቦት 7: ኣርበኞች ግንባር፥ ምንቅስቓስ ቤኒሽንጉል ከምኡውን ካልኦት ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምስልጣን ሃብቲ ሃገር ኣብ ምብኻንን ሃገርን ህዝብን ኣብ ድኽነት ከምዝጥበስ ገይሩን ይገብርን ኣሎን።

እቲ ክሳብዛ ሰዓትዚኣ ክግበር ዝጸንሐ ሽጣራት ከብቕዕ ኣለዎ። ሃገርና ተሓታትንትን ግሉጽነትን ብዘለዎ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክትምራሕ ኣለዋ።

ሎሚ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት እዩ ዝነብር ዘሎ። ጽቡቕ ምሕደራ እንተደኣ ተፈጢሩ ሕዝቢ ኤርትራ ናይ ካልእ ሓይሊ ደገፍውን ኣየድልዮን እዩ። ውሑድን ጻዕራምን ህዝቢ ስለዝኾነ ሃገሩ ብዳግመ ህንጻ ዳግማይ ከምቲ ኣብ ቃልሲ መስተንክር ዘርኣየ ዳግማይ ኣብ ምዕባሌኣ ከምዘርእይ ጥርጥር የልቦን። ስርዓት ህግደፍ ግና ሃገራዊ ዕርቂ ተሓሲሙ ብኣነነት እንተድኣ ቀጺሉ፡ ቄሮ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ክድገም ምዃኑ ክዝንግዕ የብሉን። ሓደ ኣብነት ሎሚ ቅነ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ነበር ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ዝወሰዶ ተባዕ ስጉምቲ ሓደ ህያው ኣብነት እዩ።

ህዝቢ ኤርትራውን ብወገኑ ነቲ ደስኪሉ ዝጸንሐ ሃገራዊ ባይቶ ዝርሑ ክጅምር ኣብ ልዕሊ ኢሳያስን ህግደፍን ጸቕጢ ዝገብረሉ እዋን ሕጂ እዩ። ዝኾነ መዐሸዊ ወይ ድማ ግዜ መዐደጊ ምኽንያታት ቦታ ከምዘይብሎም ክፍለጥ ኣለዎ። ሃገር ናይ ሓባር ስለዝኾነት ብዘይ ናይ ኩልና ተሳትፎ ድማ ሓያል ሃገር ክምስረት ኣይከኣልን እዩ። ስለዝኾነ ድማ ደገፍቲ ተቓወምቲ ዝብል ጉዳያት ንጎኒ ገዲፍና ቅድም ሃገራዊ ጉዳይ ወይ ድማ ህላውነት ሃገርና ከነረጋግጽ ይግባእ። ፖለቲካዊ ቁርቁስ ኮነ ፖለቲካዊ ውድድር ኣብ ናጻ ሃገር ሃገር ክግበር ጥራይ ከምዝኽእል ክንግንዘብ ይግባእ።

ሮበርት ሙጋበ ካብ ስልጣን ተኣልዩ


ወዲ 93 ዝድሜኡ ፕረዚደንት ዚንባብወ ነበር ሮበርት ሙጋበ ትማሊ 14 ሕዳር ካብ ስልጣኑ ብወታሃደራዊ ዕልዋ ከምዝተኣልየ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊትታ ሃገር ሓቢሩ።

ሮበርት ሙጋበ ንዚንባብወ ንዝሓለፈ 37 ዓመታት እዩ መሪሕዋ። ኣባላት ሰልፊ ዛኑፒኤፍ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝደገፍዎን ሮበርት ሙጋበ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዝርከብን ኣብታ ሃገር ዝኾነ ደም ምፍሳስ ከምዘይተኻየደ እቲ ዝተረኽበ ዜና ይሕብር።
ቀንዲ መበገሲ ናይቲ ዕልዋ ሮበርት ሙጋበ ንበዓልቲ ቤቱ ስልጣን ናይ ምምሕልላፍ መደብ ከምዝነበሮን ኣባላት ሰልፊ  ዛኑፒኤፍ ስለዝተቃወምዎ ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ብኻልእ ዜና። ዕድል እቲ ንዝሓለፈ 26 ዓመታት ኣብ ዝምባብወ  ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ዝትከብ መንግስቱ ሃይለማርያም ኣካታዒ ኣርእስቲ ኮይኑ ይርከብ። መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ እዋን ሰውራ ዚንባብወ ንዛኑፒኤፍ ወትሃደራዊ ሓገዝ የበርክት ብምንባሩ ሮበርት ሙጋበ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ንኽዋሃቦ ከምዝፈቐደሉ ይዝከር።

ሓተታ

ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ግስሩጥ ምሕደራኡ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ተነጽሎ ካብ ዘጋጥሞ ዓመታት ኣቑጺሩ ይርከብ። ኣብ ጉዳይ ጎረባብቲ
ሃገራት ጣልቃ ብምእታው ጻሕታሪ ፖሊሲኡ ግዳይ እገዳ ኮይኑ። ብሰንኪዚ ምትእትታው ድማ ሰለስተ ኤርትራውያን ኣባላት ዜና  ኣብ ሶማል ተማሪኾም። ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርቲ ናጻ ተለቒቆም። ሓደ ካብኦም ሳልሕ ጋማ ድማ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ። እዚ ሓደ ጭቡጥ ኣብነት ናይቲ ምትእትታው ኮይኑ፡ ኣብዚ ወርሒዚ ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ነቲ ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝተበየነ እገዳ ንካልእ ሓደ ዓመት ክናዋሕ እማመታት ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ከም ልማዱ ንምምሕዳር ኣመሪካን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኢዩ ኣብ ምኽሳስ ዝዋፈር። ህግደፍ ብ13 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ መደናገርቲ ዝኾኑ ሓተታታትን መግለጽታትን መለለዪ ተግባሩ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ። ኩሉ ደላዪ ፍትሕን ዱሞክራሲያውያን ሓይልታት ድማ ነዚ ሽሓጢ ኣደናጋሪ ስርዓት ብፖለቲካውን፡ ዲፕሎማስያውን ኮታስ ብኹሉ መዳዪ ቃልሱ ከሕይል እዋናዊ ጉዳይ ምዃኑ ተረዲኡ ቃልሱ ከሕይል ይግባእ።
Continue reading ሓተታ

መግለጺ ቃል ሕድሪ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት-ሕድሪ ፡ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ኣልኣድያ ዝተወስደ ናይ ምዕጻው መስርሕን ንሱ ዘስዓቦ ናይ ዜጋታትና ናይ ምእሳርን ምክልባትን ግፍዕታት ኣትሪሩ ይነቅፍ። እዚ ብዘይ ምርጫ ንነብሱ ኣብ ናይ ስልጣን ኮርሻ ወጢሑ ሃገር ብዘይ ብሶላ ናብ ድቕድቕ ዝበለ ጸላም ዝመርሕ ዘሎ ናይ ውሑዳት ጉጅለ ምትእኽኻብ፡ ህዝብና እጅጌኡ ሰብሲቡ ነቲ በዛ ቤት ትምህርቲ ዝተጀመረን ቅድሚኡውን ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ዝተወስደ ናይ 11 ዓመታት ማእሰርትን ግፍዕታትን ህዝብናን ግንባርናን ብናይ ቀረባ ርሕቀት ክከታተልዎ ዝጸንሑ ጉዳይ እዩ። ስለዚ ነፍስወከፍ ዜጋ ዴሞክራሲያዊት ሃገረ ኤርትራ ናይ ኩሉ ዜጋን እምነታትን ትኾነሉ መዳይ ኣብ ምምጻእ ኣበርክትኡ ከዕዝዝን ምስ ዴሞክራስያውያን ሓያልታት ወጊኑ ቃልሱ ከዛይድ በዚ ኣጋጣሚ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት-ሕድሪ ጻዊዒቱ የቕርብ።