ደሃይ ተቓውሞ ኤርትራ’ኸ ናበይ ገጹ? 2ይ ጽሑፍ፣ ብገብረእግዚኣብሀር ባሻይ፡ 06 ታሕሳስ 2015።

ደሃይ ተቓውሞ ኤርትራ’ኸ ናበይ ገጹ? 2ይ ጽሑፍ፣ ብገብረእግዚኣብሀር ባሻይ፡ 06 ታሕሳስ 2015።

ሓቂ ካብ ሰባት ዘይኮነስ ካብ ነብስኻ ክትደልያ ኣሎካ!!

ብመሰረቱ ኣብ ፖለቲካ ነባሪ ጸላእን ፈታውን ኣሎ ኢልካ ምድምዳም ኣይከኣልን። ምስ ምቅይያር ስርዓታት ወይ ውድድር ንግድታት ረብሓታት ብምቕዳም ካብ ሕሱም ጽልኢ ናብ ፍቕሪ ክልወጥ ባህርያዊ እዩ። ካብ ፍቕሪ ናብ ጽልኢ’ውን ከምኡ። ኣብዚ ንጽልኢ ይኹን ፍቕሪ ግደ ናይ ኣመራረሓ ሰልፍታት ወሳኒ እዩ። ነዊሕ ከይከድና እቲ ብጥበብ ጽልኢ ዝሃብተመ ስርዓት ህግደፍ ዓብዪ ኣብነት ይኾነና። ስርዓት ህግደፍ ካብ ፍቕሪ ናብ ጽልእን ኲናትን ክቕየር መዓልታት ኣይወስደሉን። ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝነበሮ ፍቕርን ዝወለዶ ጽልእን ካብኡ ንላዕሊ መወከሲ ኣየድልየናን። ቀዳማይ ጽሑፍ ንነባራት መሪሕነታት ግድሊ ኤርትራ ጥራይ ዘንጸባርቕ ሓፈሻዊ መረዳእታ እዩ ነይሩ። ሎሚ ብዛዕባ ህግደፍን ኢህወደግን ዘይኮነስ! ከመይነት ደምበ ተቓውምን ኤርትራን፡ ኢትዮጵያ እስትራተጅካዊ ፈታዊትናዶ! ጸላኢትና? ዝብል መብረዳእታ’ውን ዘጠቓለለ እዩ። ከም ሃገር ኢትዮጵያ ክበሃል ከሎ! ህዝብን መንግስትን ኣዘካተተ እዩ።

ደምበ ተቓውሞ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ሽንኮለል ካብ ዝብል ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ኣቑጺሩ። እቲ ዝገርም ኣብ ምፍራስ ዓባይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ መልእኽቲ ምዕራባዊ ዓለምን ሃገራት ዓረብን ተቐቢሉ ዝዓበየ እጃም ዘነርከተ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ትሕቲኡ ምምጽዳቕን ኣብ ትሕቲ እስትራተጅካዊ ቀይድታቱ ምብላይን እዩ። ኣብ ሱዳን ኮይኑ ሃይማኖታዊ ውደባታት ዝመረጸ ደምበ ተቓውሞ ውደብኡ ከሓይልስ ይትረፍ ንሃለዋቱ ዝከላኸል ሓይሊ ኣየጥረየን። ኣብ ፖለቲካ ውዕሊ ስለ ዘየለ መሳርፍ ሰንቂቑ ክሰሃግ ዝጸንሐ ደምበ ተቓውሞ ምስቲ ናይ 1998 ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዕድል ብምጥቃም ማርሻ ቀይሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክግዕዝ ዕድል ረኺቡ። ብሰንኪ ኲናት ሕድሕድን ኢድ-ምትእትታው ህወሓትን ተቂሩ ዝጸንሐ ዝምድና ፖለኢካ ውዕሊ ስለዘይብሉ ሰተት ኢሉ ኣዲስ ኣበባ ኣተወ። ምስ’ቲ ማሕበራዊ ሓውነታት ክልቲኡ ህዝብታትን (ህዝብታት ኢትዮ-ኤርትራ) ዝምድናታት ኢህኣደግን-ህግደፍን ኣብ ግምት ዘእተወ ደላይ መሰረታዊ ለውጢ ዓብዪ ተስፋታት ብምንባር ኣሎ ዝበሃል ሓገዛት ገይሩ’ዩ። ካብ ህዝቢን መሰረታትን ዝገደለ ኣይነበረን። ይውሓዳ ይብዛሓ ከም ውድባት ጥራይ ዘይኮነስ ከም ኣገደስቲ ፖለቲከኛታት ኤርትራውያንን ማለት! ደገፍቲ ሓይልታት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣዲስ ኣበባ ዘይወረደ ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል። ነብሲ ወከፍ ንነብሱ ይኹን ውድቡ ወኪሉ ኣዲስ ዝበጽሐ ኤርትራዊ ፖለቲከኛ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጸጋጊዕካ በትረ-ስልልጣን ኤርትራ ናይ ምጭባጥ ሕልምታት ጥራይ እዩ ዝነበሮም። ተኣማንነቶም ንምርጓድ ድማ ብዛዕባ ሃገርን መንግስትን ኢትዮጵያ ዝጸሓፍ ዝነበረ ወደሳን ናእዳን ካብ ዓቐኑ ዝሓለፈ ከም ዝነበረ ሰነዳት ናይ ነብሲ ወከፎም ፈቲሽካ ምንባቡ ቀሊል እዩ። ሎሚ ሓያሎ ወደስቲን ነኣድትን መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ዝነበሩ፡ ኮር ተገምጠል ዝጽሕፉዎ ዘለዉ ጽሑፋት ክተንብብ ከሎኻ ኤርትራዊ ጭውነት ዝበርዝ ኮይኑ እዩ ዝጸንሓካ። ሓደ-ሓደ ውድባትን ተደናገጽቲ ኣካላትን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዳርጋ ብጋህዲ ኣብ ምኹናንን ከም ጸላኢትካ ምቕማጥን ዲግዲጊት ተዓጢቖሙሉ ኣለዉ። መልእኹቱን ድፍኢታቱን ብዘየገድስ ብተራ ኣገላልጻ ካብ ፖለቲካዊ ስነ ምግባር ዝረሓቐን ምስሊ ኤርትራውነት ዝብርዝን እዩ። እቲ ከይዲ ከምኡ ከሎ! ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ክልተ ተራጻሚ ጎኒታት ተመቒሉ ከም ዝርከብ ኩሉ ደላይ መሰረታዊ ለውጢ ዝከታተሉ ዘሎ ሓቂ እዩ። ነዚ ፖለቲካዊ ምስሊ ዝስእል ድማ ዋላ ብጋህዲ ኣንትዘይተኣወጀ ሓደስቲ ዋዕላታት ኣዲስ ኣበባን ናይሮብን እኹል መርኣያታት እዩ። ዋዕላታት ኣዲስ ኣበባ ንፍጹም መሰረታዊ ለውጢ ጸቒጡ ክደርቕ ከሎ! ብኣንጻሩ ኣብ ዲያስፖራ ዝዓረዳ ውድባት ዝምእክለኦ ካብ ርክባት ጀርመን ክሳብ ዋዕላ ናይሮቢ ዝሃልኽ ዘሎ እሞ ክሳብ ትሕቲ ጽገና ዝቀዳደም ይመስል። ነዚ ኣብ ግምት ዘካተተ እዩ እምበኣር መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያስ እስትራተጅካዊ ፈተውትናዶ ጸላኣትና ዝብል ሕቶ ክቐርብ እተደልየ።

ካብ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ። እንታይ ኣገዳሲ ጉዳይ ስለ እተረኽበ እዩ። ከምቲ ኩልና ንፈልጦ ናይሮቢ ብስለያ ህግደፍ ዘዕለቕለቐት ከተማ እያ። ኣብ ርእሲኡ ከንያ ብጉዳይ ዲክታቶርያ ስርዓት ኣስማራ ተገዲሳ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞ ክትድህስስን ክትሕግዝን ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። ስለዚ ነቲ ዋዕላ ብድሕሪኡ መን ኣለዎ’ውን ዓብዪ ቆላሕታ ክግበረሉ ዝግበኦ እዩ። ምትእኽኻብ ዋዕላ ከንያ ብጻልጥኡ ክድዓት እዩ ክበሃል ዝከኣል። ናብ’ዚ ዕሙት ፖለቲካዊ ክድዓት ንምእታው’ዩ ድማ! ኣቐዲሞም ብጋህድን ኢድ-ኣዙርን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ጽልኢ ጎስጓሳት ከካይዱ ዝጸንሑ። ከምቲ ፖለቲካዊ ውዕሊ የለን እተባህለ፣ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕብረተሰባዊ ምትእስሳራትና ኣብ ዘለዎ ኮይኑ! ብዓይኒ ፖለቲካውን እስትራተጅካዊ ኣመላኻኽታና ግን ክፈላለ ውሁብ እዩ። ዋላ ይኹን! ኣሓት ህዝብታትን ጎረበት ሃገርን ብጸላእትን ቅርሕንትን ክተቐምጦም ግን ኣይግባእን። የርብሕን ኣየርብሕን ካልእ ጉዳይ ኮይኑ! ናይ 1980ን ናይ 1998 በሰላታት ብምፍሕፋሕ ብፖለቲካዊ ስንኩፍናታት መሳርሒ ቅርሕንቲ ንምብላሑ ተኽእሎታት ኣሎ። ነዚታት ሙርኩስ ዝገበረ እዩ ድማ መሰነይታ ናብቲ ኣብ ጀርመን እተኻየደን ቀጺሉ ኣብ ናይሮቢ ዝሰላሰል ዘሎ ሕቡእ ዋዕላታትን መኸለውታ ፖለቲካዊ ፍሽለታትናን ዝጸሓፍን ዝጉስጎስን ዘሎ። ናይ’ዚ ዝረአ ዘሎ ገልበጥበጥ ኣስማት ውድባትን ጸሓፍተንን ክርቋሕ’ኳ ኣገዳስነት የብሉን። የግዳስ እቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ እናተወንጀለ ዝኸይድ ዘሎ መናውራት ፈጺሙ ኣብ ረብሓ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝውዕል ከምዘይኮነ ብዕሊ ክንነቕሓሉ ይግበኣና። ህዝብና! ቅርሕንትን ቂምን ዘርብሖ እንተዝኸውን ብህግደፍ ተነጊሩዎስ ክሳብ ሕጂ ይፍደዮ ኣሎ።

ሎሚ ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ሕብረተሰባዊ ህይወትናን ብሽፍንፍን ክንሓልፎ ኣይግበኣናን። እቲ ሓቂ ኣይኮነንዶ ብኹሉ መዳያዊ ክንጻለኦ ዘይግበኣና መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያስ፡ ምስ ካሎኦት ጎረባብትን ኣሓት ህዝብታትን ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ጥራይ እዩ ዘወጻጸኣና። ረብሓና ስለ ዘገድሰና እስትራተጅካዊ ረብሓታት ደምበ ተቓውሞን ህዝቢ ኤርትራን ልዕሊ ኩሉ ምስ ኢትዮጵያ እዩ ዘርበሓና። ዝኾነ ፖለቲካዊ ውደባ ንለውጢ ይኹን ጽገና ብዝደለዮ ኣገባብ ቃልሲ ክመርጽ መሰሉ ይኹን እምበር ንፍሽለታቱ ንምኽዋል መንግስትን ስርዓትን ኢትዮጵያ ንጽልኢ ዝዕድም ነገራት ምቱዂታኽ ፍጹም ተቐባልነት የብሉን። ብሓፈሽኡ ብዞና ይኹን ዋላ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ እትራተጅካዊን ቁጠባውን መሓዛ ኤርትራ እትኸውን ኢትዮጵያ እያ።

ሕመቕና ምስ ሰልፊ ኢህኣደግን መንግስትን ኢትዮጵያ ክነተሓሕዞ ኣይግበኣናን። ምኽንያቱ ተመኩሮታትና ዘይንግምግምን ብ’ባህላዊ ኣምልኾ እተኣሰርናን ኮይንና እምበር፡ ኣስታት ንዕስራ ዓመታት ብዘይ ስራሕ ኣብ ካርቱም ተዓኒደን ወርሓዊ ውጽኢት ኣባላተን ክምእርራ ዕድመ ዘርከበን ኣመራረሓታት ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ፡ ናብ ኢትዮጵያ ግዒዘን፡ ብስም ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ኣስቤዛ ካብ ምህላኽ ንላዕሊ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ከየፍረያ ካላኣይ ዕድመ ሓሊፉወን። ኤርትራውያን ብፍላይ ደለይቲ መሰረታዊ ለውጢ፡ ብዛዕባ እዚታትን ፍሽለታትናን ጥራይ ኢና ክንዛረብን ክንግምግምን ዝነበረና። ኣብ ዲያስፖራ ዓሪደን ምስ ስርዓት ኣስመራ ውሽጣዊ ምምጽዳቕ ዘይገደፋ ክፋል ሓይሊ ተቓውሞ እንተኾና’ውን ምስቲ ደላይ መሰረታዊ ለውጢ ተሓናፊጸን (ከም ኣውደ-ዓመት) ኣብ ዓመት ሓንቲ መዓልቲ ናብ በልጅም ካብ ምንጋድ ሓሊፈን ዘፍረዮኦ የለን። እዚ ናይ ሎሚ ቀበጽ-ንቐበጽ ተላፊነን ናብ ትሕቲ ጽገናታት ናብ ናይሮቢ ምጉያይ ዝረአ ዘሎ ናይ ኣጋጣሚ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ብውሽጡ ከይጸረየ ስለ ዝጸንሐ ደምበ ተቓውሞ እዩ ድማ እቲ ብኽንደይ ጻዕሪ እተተኸልረ ባይቶ ከይሰርሕ ሎኲቱዎ ዝጸንሐ። ከም መርኣያኡን ጽማ`ቑን ድማ እዚ ናብ ትሕቲ ጽገናታት ዝጎዪ ዘሎ ማዕበል፡ ምስቲ ፍጹም መሰረታዊ ለውጢ ዝቕበል ሓይሊ ተቓውሞ፡ ኣብ ሓደ ግንባር ተጸሚዱ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ከድምዕ ኢልካ ምሕሳብ ከንቱ እዩ።

ኣብ መደምደምታ እዚ ጽሑፍ ከሕልፎ ዝደሊ እንተሎ! ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ እምበር ጽገና ኣየድልዮን። ምስ ጎረባብቱን ብፍላይ ምስ ሕብረተሰብኣውን እስትራተጅካዊ ምትእስሳራት ኢትዮጳያን ክሰጥም ኣለዎ ብምባል ክሳብ ተመሳሳሊ 3ይ ጽሑፍ ሰናይ ቅነ።

ዕንወት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር

ምስ ሰራዊት ሕድሪ ንቕድሚት።