Eritrean News|Friday, June 22, 2018

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ግዳያት ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ንዝኾኑ 10 ጋዜጠኛታትን ካልኦት ግዳያትን ንምድጋፍ፣ ከምኡ’ውን ናጽነት ሓሳብካ ብነጻ ምግላጽ ዘይትንከፍ ክብሪ ምዃኑ ንምርግጋጽ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ከተማ ፓሪስ ናይ ሓድነት ሰልፊ ኣካይዱ። 

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ግዳያት ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ንዝኾኑ 10 ጋዜጠኛታት ዝርከቡዎም 17 ዜጋታት ደገፉ ንምግላጽ፣ ከምኡ’ውን ናጽነት ሓሳብካ ብነጻ ምግላጽ ዘይትንከፍ ሕመረት ዲሞክራስያዊ ክብርታት ፈረንሳ ምዃኑ ብዘየማትእ መንገዲ ንምርግጋጽ፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ማእከል ከተማ ፓሪስ ናይ ሓድነት ሰልፊ ኣካይዱ።

ኣብቲ ብቤተሰብ ግዳያት ተመሪሑ ዝተኻየደ፣ ንፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንሲስ ሆላንደ ዘሰነዩ ቻንሰለር ጀርመን ኣንገላ ማርኸል፣ ፕራይም ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ደቪድ ካምረን፣ ዝርከቡዎም ልዕሊ 40 መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ዝተጸንበሩዎ ሰፊሕ ሓድነታዊ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳትፈ ህዝቢ፣ ከም ምልክት ደገፍ ናይቲ ዒላማ መጥቃዕቲ ዝነበረ ቻርሊ ሄብዶ ዝተባህለ መጋዚን ካርቱን ‘ኣነ ቻርሊ እየ’ ዝብል ሰንደቕ ከምኡ ‘ውን ምስሊ ርሳስን ዝተፈላለዩ ጭርሖታትን ኣልዒሉ ብምስላፍ፣ ኣብ ትሕቲ ‘ቶም ብጹኣት ክብርታትን መትከላትን ሓርነት፣ ብግረሽበራዊ መጥቃዕቲ ከይተኸፋፈለ፣ ሓድነቱ ዓቂቡ ክነብር ምዃኑ ብዘየማትእ መንገዲ ኣረጋጊጹ።

FRANCE Sho_306ነቲ ኣጋጣሚ ኣመልኪቱ ፕረዚደንት ሆላንደ ናይ ፈረንሳ፣ “ሎሚ ፓሪስ ዋና ከተማ ዓለም እያ” ኢሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ ማኑወል ቫሊስ ብወገኑ፣ “ህዝቢ ፈረንሳ፣ ንሓርነትን ምጽውዋርን ዘለዎ ፈቕሪ ዝገልጸላ፣ ግርማን ሓይልን ህዝቢ ፈረንሳ እንተንጸባርቕ መዓልቲ እያ” ክብል ንታሪኻዊ ኣገዳስነት ናይቲ ሰልፊ ሓድነት ገሊጹዎ።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ፖለቲካዊ ጭርሖታት ሓራ ኮይኑ፣ ኣብ ትሕቲ ሪፓብሊክ ፈረንሳን እተመስረትሉ መትከላት ሓርነትን ዲሞክራስን ብሓድነት ደው ከምዝብል ህዝቢ ውሳኒኡ ክገልጽ ዕድል ዝረኸበሉ ኣጋጣሚ እዩ።

ጸጥታ ናይቲ ሰለማዊ ሰልፊ ንምኽባር ልዕሊ 5 ሽሕ ፖሊስ ተዋፊሮም ውዒሎም።

ኣብ ካልኦት ከተማታት ፈረንሳ ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፍታት ከምዝተኻየዱ ‘ውን ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብቀጥታዊ ፈነወ ቴለቭዥን ካልኦት መራኸቢታትን ክከታተሎ ዝወዓለ ህዝቢ ዓለም ድማ ብዝተፈላለየ መንገዲ ደገፉ ገሊጹ። ከም መርኣያ ደገፍን ምሕዝነት ኣብ ከተማ ለንደን ዝርከቡ ፍሉያት ቅርስታት ባንዴራ ፈረንሳ ዘርእዩ ሕብራዊ መብራህትታት ተቖሊዖም ውዒሎም።

እቲ ንከተማ ፓሪስ ሃዊኹዋ ዝቐነየ ብስም እስላማዊ ጥሩፋት ጉጅለታት ዝተኻየደ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት መጋዚን ካርቱን ቻርሊ ሃብዶ 10 ጋዜጠኛታትን 2 ፖሊስ ብቕታል እዩ ጀሚሩ። ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ ድማ ኣብ ሓደ ናይ ኣይሁድ ሱፐርማርኬት ህይወት 4 ሰላማውያን ሰባት ብምጥፋእ ቀጺሉ። ሓደ ካብቶም ግዳያት ኣብ ስራሕ ተዋፊሩ ዝነበረ ፖሊስ ኣማኒ ሃይማኖት ምስልምና ከከውን ከሎ፣ ብድምር ኣብቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ 17 ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም። ነቲ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ሰለስተ ኣሸበርቲ ከኣ ብስርሒትን ፖሊስን ኮማንዶን ፈረንሳ ተቐቲሎም።

Add a Comment