ቃል ኣቦና ኣባ ተኽለሚካኤል ተወልደ “ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ግዝኣተ ሕጊ ደኣእንበር ጻዕዳ ፊኖን ሰመንቶን ኣይኮነን”

ቃል ኣቦና ኣባ ተኽለሚካኤል ተወልደ
“ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ግዝኣተ ሕጊ ደኣእንበር ጻዕዳ ፊኖን ሰመንቶን ኣይኮነን”

ኣቦና ኣባ ተኽለሚካኤል ተወልደ፡ ኣብ ዓመታዊ ንግደት ቅዱስ ሚኪኤል ሰገነይቲ ፡ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ተረኺቦም ንልቢ ዘረስርስ፡ ንመንፈስ ዘበራብር ሃይማኖታውን ሃገራውን ትሕዝቶ ዘለዎ መደረ ኣስሚዕም።
ንሶም ፡ ንርከበሉ ዘለና እዋን፥ ሓድሽ እዋን፥ ብኸፊሉ እዋን ሰላም፥ እዋን ተስፋ፥ እዋን ለዊጢ ይመስል ድሕሪ ምባሎም። እዚ ድሮ ንርእዮ ዘለና ሓደሽቲ ፍጻመታትን ርክባትን ምስ ኢትዮጵያውና የሕዋትን ንዓመታት ዝጸማእናዮን ሃረር ንብሎ ዝነበርና ኮይኑ ፥ እዚ ድማ ብድኽመት ፖለቲካውያን መሪሕነታት ዝተፈጥረ ሽግር ምዃኑ ድሕሪ ምንጻሮም ንተባዕ ስጉምቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶክቶር ኣብይ ኣሕመድ ድማ ስለቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ንዘርእዮ ዘሎ ቅንዕንኡ፥ ትሕትንኡ፥ ሓቐኛ ከምኡውን ግሉጽነቱን ልዕሊ ኩሉ ድማ ድምጺ ሕዝቡ ጽን ኢሉ ዝሰምዕ ተባዕ መራሒ ክብሉ ኣሞጊሶም።
ኣባ ተኽለሚካኤል ወሲኾም፡ እቲ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክቶር ኣብይ ኣሕመድ ዝተበገስ ናይ ሰላም መስርሕ ናእድኦም ኣቕሪቦም። ንሶም ብምቕጻል፡ “ዶክቶር ኣብይ ናይ ሰላም ነብይ ምዃኑን ልሳኑን ተግባሩን ድማ ኣብ ባይታ ተሳንዩ ይኸይድ ከምዘሎን ሓቢሮም። ልዕሊ ኩሉ ድማ ዶክቶር ኣብይ ንዜጋታት ሃገሩ ደገፍቱን ተቓወምቱን ብሓባር ክሰርሑ ኣዲሙን ኩሉም ኢትዮጵያውያን ድማ ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ይርከቡን ምህላዎምን እዚ ድማ ዘሕጉስን ኢትዮጵያ ናብ ተስፋ ዘለዎ ጎደና ምዕባለ ትግስግስ ምህላዋ ዘርእይ ኣዎንታዊ ጉዕዞ ምዃኑን ኣስሚሮምሉ። ብወገን ኤርትራውን፡ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ልእልና ዘርእየሉ መድረኽ ከምዝተዓጽወን፡ ፖለቲካውያን መራሕቲ ኤርትራውን ነዚ ናይ ዶክቶር ኣብይ ኣብነት ክኽተሉ ለበውኦም ኣመሓላሊፎም።

ኣቦና ኣባ ተኽለሚካኤል ነቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝተሳቐናሉ ጉዳይ ዶብ ዝምልከት ድማ ብዘየወላውል መንገዲ ዶብና ብዘይቅድመ ኩነት ክሕንጸጽ ሓቢሮም። ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ቅድም ቀዳድም ዘድልዮ ግዝኣተ ሕጊ ደእንበር ጻዕዳ ፊኖን ሰመንቶን ኣይኮነን፥ ኤርትራ ናይ ኩልና እያ ስለዝኾነ ድማ እዚ ኣብ ፎቖዶ ዓለምና ተበቲኑ ዝርከብ ዜጋና ናብ ሃገሩ ክምለስን ሃገሩ ዳግማይ ክሃንጽን ከምዝግባእን ኣተሓሳሲቦም።
ንሶም ኣተሓሒዞም፥ ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ዕርቂ ክግበር፥ ኩሉ ዜጋ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ሃገሩ ክሳተፍ ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ መሰርሕ ሃገራዊ ዕርቂ ክትግበር ንፖለቲካውያን መራሕቲ ኤርትራ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ንሙሉእ ትሕዝቶ መደረኦም ኣብዚ ኣብታሕቲ ተለጢፉ ዝርከብ ምስማዕ ይከኣል።

Great Speech! ዋው፣ ኣየ ትብዓት – "ኣረጊት ስርዓት ክቕየር ኣለዎ፣ መሰረታዊ ለውጢ የድሊ ኣሎ….ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይትሓንጸጽ… " ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዚ ክትዛረብ ትብዓት'ዩ:: ምስኦም ደው በሉ!I would say one thing is for sure. Ethiopia's Prime Minister, young Abiy Ahmed puts Isaias Afewerki to shame.  2 April – becomes prime minister after the unexpected resignation of Hailemariam Desalegn May – frees thousands of political detainees, including opposition leader Andargachew Tsege 5 June – lifts the state of emergency two months early 5 June – agrees to accept border ruling giving disputed territory to Eritrea 9 July – declares the end of war between Eritrea and Ethiopia  11 September – reopens land border with Eritrea 16 October – appoints women to half of the ministerial posts 25 October – parliament elects a woman, Ms. Sahle-Work Zewde, as presidentmost of the list compiled by BBCኣባ ተኽለሚካኤል ተወልደኣብ ዓመታዊ ንግደት ቁዱስ ሚኪኤልኣብ ከተማ ሰገነይቲ ዝሃብዎ ትምህርትን ለበዋን ወርሒ 10, 2018

Posted by Freweini Ghebresadick on Monday, October 29, 2018

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *